ኮርፐረሽን ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ ኣስታት 5.5 ቢሊዮን ብር ዘውፅኡ ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ስምምዕ ተፈራሪሙ።እቲ ዝበዝሕ ወፃኢ ዝሽፈን ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ብዝርከብ ልቓሕ እዩ።
ካብ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ኣብ ሩባ ኣባይ ካልኦት ኣርባዕተ ግድባት ንምህናፅ ዝርዝር መፅናዕቲ እናተኻየደ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ካብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ካብ ኣውሮፓን ካብ ሃገራት ኢሲያን ዝመፁ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ነቲ ስራሕ ንምስራሕ ምስ መንግስታዊ ኮርፐረሽን ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ እዮም ተፈራሪሞም።
ናይቲ ኮርፐረሽን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣቶ ምሕረት ደበበ ንጋዜጠኛታት ከምዝሓበርዎ እቶም ፕሮጀክትታት ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ስራሕቲ ዝተኸፋፈሉ እዮም።ፕሮጀክት መመሓይሺ መተሓላለፊ ኤለክትሪክ፡ናይ ግልገል ግቤ ክልተ ወላይታ-ሰዶ ናይ 400 ኪሎ ቮልት ሓይሊ መተሓላለፊ ፕሮጀክትን ናይ ዓብዪ ናይ ኢትዮጵያ ህዳሴ ግድብ ፕሮጀክት ናይ ምምኻር ኣገልግሎትን ኣብ ዝብል ተመቒሉ’ሎ።ዝበዝሕ ወፃኢ ዝሽፈን እውን ብባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ እዩ ይብሉ ኣቶ ምህረት።
እቲ ኮርፖረሽን ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብምስራሕ ውሩይ ናይ መንግስቲ ትካል ምዃኑ ዝፍለጥ እንተኾነ’ውን ዓብዪ ናይ ሃብቲ ብኽነት እናተፈፀሞ ዝርከብ ትካል ምዃኑ’ውን ናይ ዋና ኦዲተር ፀብፃብ ብምጥቓስ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣቶ ምህረት ኣሉታ ብምሃብ መሊሶም።
ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ’’እዞም ፕሮጀክትታት እዚኣቶም ሕድ ሕዶም ዝተቐመጠሎም ናይ ኣፈፃፅማ መዐቀኒታት ኣለዎም።ብኣለቃሕቲ፡ብመንግስቲ፡በቲ ኮርፐረሽንን ኣማኸርትን ዝፍፀም ናይ መቆፃፀሪ ስርዓት ኣለዎም።’’
ኣብዝተፈላለየሉ ናይታ ሃገር ተፋሰስ ንቕድሚት ክስርሑ ብዛዕባ ዝተሓሰቡን መፅናዕቲ እናተኻየደሎም ብዛዕባ ዝርከቡን ተፋሰሳት’ውን ኣቶ ምህረት ተዛሪቦም።
ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሕ ብዛዕባ ዝዝረበሉ ዘሎ ናይ ኣባይ ተፋሰስ ልምዓት’ውን ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ።ንሙሉእ ትሕዝትኡ የድምፁ።