ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝበዝሐ ናይ ኤሌትሪክ መዓደሊ ቦታታት ምድላው ኤሌትሪክ ንዝሰርሓ መካይን ዝበለጸ ርሕቐት ክጉዓዛ ይሕግዝ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኣሜሪካ መሸጢ ነዳዲ ፈቐድኡ ይርከብ። ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መኻይን ዘድልየን ሓይሊ ኤሌትሪክ ንምርኻብ ግን እቲ ኩነታት ተፈለየ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ሎሚ ግን ይቕየር ኣሎ፡ንከባቢያዊ ኣየር ዘይብኽላ መኻይን ናብ ኩሉ ከባቢ ይተኣታተዋ’ለዋ፤ናብ ከተማታት ኩሉ ሃገር ዝመፃሉ እዋን እውን ርሑቕ ኣይኸውንን።

መኪና ዝዝውር ሰብ ዝምነዮ ነገር እንተሃለወ ወለል ዝበለ ፅሩይ ሰማይን ለጥ ዝበለ ሰፊሕ ጎደናን እዩ።ምዝዋር ማለት ግን ምሕላኽ ነዳዲ ማለት እዩ።ካብ መኪና ዝወፅእ መርዛም ጋዝ ኸኣ ጠንቂ ለውጢ ኩነታት ኣየር እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ምሉእ ብምሉእ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓን መኻይን ኤሌክትሪክ ዝመልኣሉ መንገዲ ቐሊል እናኾነ ይኸይድ ኣሎ።ኣብ ማእኸላት ዕዳጋ ኮሎራዶ ብርክት ዝበሉ መዓደሊ ኤሌትሪክ ኑቕጣታት ኣለው።

መኪና ደው ኣብ ዝብላሉ ፓርኪንግ ተጠቀምቲ መኪንኦም ንሓደ ሰዓት ኤሌክትሪክ ብነፃ ዝመልኣሉ ኣገልግሎት ይህብ።

ኣብ መንገድታት ገጠር ካንሳስ ክዝውር ዝፀንሐ ሰብ መኪንኡ ናብ ሆቴል ሆሊደይ ኢንን ወሲዱ ብነፃ ንመኪንኡ ዘድልይ ኤሌትሪክ ክረኽብ ይኽእል።

ኒልን ቤልሞርን ኣቦን ወድን እዮም።ብኤሌክትሪክ ጥራሕ እትሰርሕ መኪና እናዘወሩ ካብ ካናዳ ናብ ካሊፎርኒያ ዘዊሮም ምምፅኦም ይገልፁ።

‘መኪንኦም ን30 ደቓይቕ ብኤሌክትሪክ ምስመልኡዋ ቤልሞር እናዘወራ ድምፃ ከየስምዐት ሰተት ኢላ ናይ ጎደና ጉዕዝኣ ጀመረት።240 ኪሎ ሜትር ዘጉዕዛ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እያ ተመሊኣ፤ክሳብ ዝቕፅል ናይ መምልኢ ቦታ እትበፅሕ ማለት እዩ።ከምዚኦም ዝበሉ መምልኢ ኑቕጣታት ኣብ ዙሪያ ዓለም፤ኣብ ዓበይቲ ጎደናታት እናተእታተው ይርከቡ።እቲ መርበብ ይስፋሕፋሕ ከምዘሎ ናይ ኢንተርኔት ካርታ የርኢ።ንተስላ እትመርሕ መሓበሪት/GPS/ መምልኢ ኤሌክትሪክ ናብ ዝርከበሉ ቦታ ክትመርሕ ትኽእል’ያ’ይብሉ ተመክሮኦም የኻፍሉ።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝርከብ ኒሳን መኻይን ዝሸይጥ ኩባኒያ ቻዴሞ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ነፃን ቕልጡፍን መዓደሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እናሃበ ይርከብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG