ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ብጠንቂ ሓደጋ ኤሌክትሪክ 12 ሰባት ሞይቶም


ጠንቂ ሓደጋ ኤሌክትሪክ
ጠንቂ ሓደጋ ኤሌክትሪክ

ዓርቢ ሰነ 10 ድማ ኣብ ከተማ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ ገመድ ኤሌክትሪክ ተበቲኹ ናብ ሓደ ካብ ሓፂን ዝተሰርሐ ቤት ሹቕ ወዲቑ 6 ደቀንስትዮ ዝርከበኦም 8 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ በቲ ኩነታት ዓሚቕ ሓዘን ከምዝተሰመዖ ብምግላፅ ንስድራ ግዳያት ካሕሳ ከምዝኸፍል ሎሚ መዓልቲ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣይተ ገብረእግዝኣብሔር ታፈረ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ብዋናነት ነዊሕ ዕድመ ዝቑፀረን ዘይተቐየረን መስመር ኤሌክትሪክ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ጠንቂ ሓደጋ ኤሌክትሪክ
ጠንቂ ሓደጋ ኤሌክትሪክ

ብተወሳኺ መስመር ኤሌክትሪክ ኣብ ዝሓልፎ ብየማነ ፀጋም ከክልተን ፈረቓን ሜትሮ ርሒቑ ክህነጽ ዝነበሮ ገዛን ካልኦት ትካላትን ተግባራዊ ስለዘይኰኑ እዩ እውን ይብሉ ኣይተ ገብረእግዝኣብሔር።

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሓደጋ ንምክልኻል ጥራሕ እውን እንተይኰነስ ድልየት ህዝቢ ንምምላእ ፅፉፍ ግልጋሎት ብዘላቕለነት ንምሃብ ኣንዊሑ ብምትላም ይሰርሕ ምህላዉ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ: ተመሳሳሊ ሓደጋታት ንኸየጓንፉ ድማ ናይ ፈተሻን ፅገናን ስራሕቲ ብስፍሓት የካይድ ምህላዉ ኣፍሊጦም።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዝወረደሉ ከባቢ ዝርከቡ ነበርቲ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ፓሎን መቆፃፀርን ኤሌክትሪክ ብተደጋጋሚ ይበላሾ ምንባሩ ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ይህቡ ምንባሮም ይገልፁ።

​ኣብ ትግራይ ወረዳ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ልምዓት ቁሸት ኣዋልዖ ኣብ መስመር ኤሌክትሪክ ፀገም ኣጓኒፉ 4 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

ግርማይ ገብሩ ንስድራ ግዳያትን ንዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካልን ሓቲቱ ዝስዕብ ፀብፃብ ልኢኹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG