ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦርድ ምርጫ ኬንያ "ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ’ቲ ምርጫ ኢና ዘለና" ይብል


ውፅኢት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኬንያ ፅባሕ ዓርቢ ወግዓዊ ክኸውን ትፅቢት ይግበር።ኮሚሽን ምርጫ ነቲ ዛጊት ብኤሌክትሮኒክ ዝቐረበ ውፅኢት ዘረጋግፅ ካብ ኩሎም ናይ መድመፂ ኖቕጣታት ዝተፈረሙ ወግዓዊ ቅጥዕታት ይፅበ ከምዘሎ ገሊፁ’ሎ።ተቓዋሚ ፓርቲ ግን ራይላ ኦዲንጋ ሓቀኛ ተዓዋታይ እዩ ኢሉ’ሎ።

ኬንያዊያን ውፅኢት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ናይ ዝተኻየደ ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ይፅበዩ ኣለው።

ሰበስልጣን ኮሚሽን ምርጫ ካብ ናይታ ሃገር 290 ናይ ምርጫ ከባቢታት 170 ቅጥዕታት ካብ 40,883 መውሃቢ ድምፂ ኖቕጣታት ድማ ኣስታት 1,000 ቅጥዓታት ይጽበዩ ምህላዎም ሎሚ ሓሙስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ገሊፆም ኣለው።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ዋፍሉ ቸቡካቲ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኣለና ኢሎም።

“ኩሎም ውፅኢታት ኣብ ማእኸል ሃገራዊ መረጋገፂ ድምፂ ፅባሕ 11 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ክኣትው እዮም።”


ሽዑ ንሽዑ ተዓዋታይ መን ከምዝኸውን ክግለፅ እዩ : ኮሚሽን ምርጫ ዛጊት ብመሰረት ዘውፅኦ ግዚያዊ ውፅኢት ኬንያታ ንራይላ ኦዲንጋ ብትሽዓተ ነጥቢ ይመርሑዎም ኣለው።

ተቓዋሚ ፓርቲ ግን መርበብ ኮምፒተራት እቲ ኮሚሽን ኣቐዲሙ ተሰይሩን እቲ ምርጫ ተጭበርቢሩን እዩ ክብል ነቲ ውጽኢት ነፂጉዎ’ሎ።ሓላፊ ኮሚሽን ምርጫ ነቲ ሲስተም ወይ መስርሕ ናይ ምስባር/ሃክ ናይ ምግባር/ፈተነ ምንባሩ ብምርግጋፅ ግን ከይተዓወተ ፈሺሉ እዩ ኢሎም።

ተቓዋሚ ፓርቲ ባዕሉ ብመሰረት ዝገመቶ ኣሃዝ ኦዲንጋ ንኬንያታ ብልዕሊ 600,000 ድምፂ በሊፆምዎም እዮም ይብል።መራሒ ጥምረት ተቓዋሚ ሙሳሊያ ሙዳቫዲ ሎሚ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቦም ኣለው።

“ኣቦ መንበር ኮሚሽን ምርጫ ነቲ ውፅኢት ብቕልጡፍ ወግዓዊ ክገብሩዎን ንመራሒ ራይላ ኣሞሎ ኦዲንጋ ወግዓዊ ዝተመርፁ ፕረዝዳንት ሪፓብሊክ ኬንያ ምዃኖም ክእውጁን ንሓትት ኣለና።”

ኣብታ ሃገር ኣብ ኪሲሙ ከምኡ እውን ካብ ናይሮቢ ውፅእ ኢሉ ኣብዝርከቡ ድኻታት ዝነብሩሎም ማታረን ኪባራን ዝተባህለ ቦታታት ካብ ትማሊ ረቡዕ ዝጀመረ ጎማታት ናይ ምንዳድን ካልኦት ዘይምርግግኣትን ኣሎ።

ነባሪ ኪባራ ጆርጅ ኦሞንዲ ኦቲየኖ ግን ውፅኢቱ ብዘየገድስ ሰባት ንህውከት ክነፅጉዎ ይፅውዕ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምርጫ ቦርድ ኬንያ ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ’ቲ ምርጫ ኢና ዘለና ይብል
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:37 0:00


XS
SM
MD
LG