ዋሽንግተን —
ማሕበር ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዝንባለ ብዘየገድስ ጊዜ ምርጫ ኣብ ዝቀራረበሉ እዋን ስነ-ኣእምሮኣዊ ወጥሪ እናወሰኸ ይኸይድ ይብል። ዘየቋርጽ ዋሕዚ ዜናታት፣ ዘጨንቕ ሞገተን ብዛዕባ መፃኢ ዕድል ሃገርን ዝሕልው ስኽፍታታት ተደማሚሮም ኣብ ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ፀቕጢ ይፍጥሩ።
5 ሕዳር 2024 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝምልከት ማሕበር ስነ-ኣእምሮ ኣመሪካ መፅናዕቲ ካብ ዘካየደሎም ሰባት እቶም ሰለስተ ርብዒ ክጭነቑ ይረኣዩ።
ገሊ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ነቲ ኩነታት ናይ ምርጫ ውጥረት ምዝባዕ ኢሎም ይፅውዕዎ።
ቅጥዒ