ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳቢያቶ ኣብ ምርጫ ኢንዶኖዥያ ከም ዝተዓወተ ይገልጽ


ውጽኢት ምርጫ ኢንዶኖዥያ ዛጊት ወግዓዊ ኣይኰነን። እንተዀነ ተወዳዳሪ ፕራቦዎ ሳቢያቶ ከም ዝተዓወት ገሊጹ። እቲ ንምኽትሉ ወዲ ፕረዚደንት ዊዶዶ ዝገበረ ሕጂ ሚኒስተር ምክልኻል ዘሎ ሳቢያቶ፡ ነቲ ቦታ ክሕዝ ጽሕፍቶኡ ምዃኑ’ዩ ዝምጉት።

ብደረጃ ዓለም ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝኻየዱ ምርጫ ዝዓበዩ ምኳኑ ዝግለጽ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ኢንዶኖዥያ ዝተኻየደ ኽከውን ከሎ ምቁጻር ድምጺ'ውን ተጀሚሩ'ሎ።

ልዕሊ 200 ሚልዮን ዜጋታት'ታ ሃገር ሎሚ ረቡዕ 14 የካቲት 2024 ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ፕረዚደንትን ኣባላት ባይቶ ሓጋጊ ኣካልን ንምምራጽ ጽምጾም ሂቦም ኣለው።

ነቶም ድሕሪ ክልተ ነናይ ሓሙሽተ ዓመታት እዋን ስልጣን ዝሰናበቱ ፕረዚደንት ጆኮ ዊዶዶ ዝትክኦም ሓድሽ ፕረዚደንት ንምርኣይ ኩለን ኣዕንቲ ናብ ኢንዶኔዥያ የቋምታ ኣለዋ።

ክልተ ግዜ ብዊዶዶ ዝተሳዕሩ 72 ዓመት ዝዕድሚኦም ብህዝቢ ፍትው ምኳኖም ዝንገረሎም ሚኒስተር ምክልኻል ፕራቦዎ ሳቢያንቶ ንሳልሳይ ግዜ ተወዳዲሮም'ለዉ።

ሳብያቶ፣ ንወዲ ዊዶዶ ምኽትል ፕረዚደንት ጌሮሞ'ለዉ። ብዝተኣከበ ኣሃዛዊ ርእይቶ ህዝቢ ሳብያቶ ንመወዳድርቶም ይመርሕዎም ከምዘለዉ የርኢ።

ብተወሳኺ መውሃቢ ኑቑጣታት ኢንዶኖዥያ እውን ነቲ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ፍቑራት ብምምልካት ብቅርጺ ልቢ፡ቸኮሌትን ካልኦት መመላክዒ ወቂቦም ተራእዮም።

ብፍላይ ኣብ ከተማ ባሊ ዝነበራ መውሃቢ ድምጺ ኑቑጣታት ብፍሉይ ንዝኽሪ'ቲ መዓልቲ ፍቑራት ወቂቦም ተራእዮም።

ኢንዶኖዥያ ኣብ ዓለም ዲሞክራሳዊያን ካብ ዝበሃላ ሃገራት ሳልሳይቲ ደረጃ ትሕዝ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG