ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ምርጫ ግብጺ ብወግዒ ተጀሚሩ


ግብፃዊያን ሎማ ሶኑይ ድምፆም ምሃብ ጀሚሮም።ካብቲ ቦታ ዝበፅሐና ዜና ኣብዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝካየድ ምርጫ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ፕሬዝዳንት ዓብዲል ፈታሕ ኣል-ሲሲ ከምዝስዕሩ ርግፀኛ ይመስል ይብል።

ንፕረ. ሲሲ ደገፍቶም ይንእዱዎም፣ተቓወምቶም ይነቕፉዎም ካልኦት ኸአ ውፅኢቱ ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ድልየት የብሎም።

ፕሬዝዳንት ሲሲ ኣብ ከተማ ካይሮ ድምፆም ምስሃቡ ክምስምስ እናበሉ ንሰራሕተኛታት ምርጫ ክጭቡጡ ቴሌቪዥን ግብፂ ኣርእያ’ላ።

XS
SM
MD
LG