እዚ ዝኸውን ዘሎ ኹነታት ሰብአዊ መሰል እታ ሃገር ኣብ ዘሻቕለሉ እዋን ምኻኑ’ውን ይግለጽ።
ንራብዓይ ጊዚኦም ስልጣን ንምሓዝ ዝወዳደሩ ዘለው ፕረዝደንት ዖማር ገለ፡ ሽዱሽተ ሕጹያት አንጻሮም ይወዳደሩ’ለው እንተኾነ ግን እዞም ተወዳደርቲ ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ምስዓር የለውን።
ገለ ካብ ተቓወምቲ ሰልፍታት ነቲ ምርጫ ገዲፎሞ ምውጽኦም ተፈሊጡ’ሎ። ብተወሳኺ እቶም ተቓወምቲ ኮሚሽን ምርጫ ነጻ ኣይኮነን ኸምኡ’ውን ዘይሚዛናዊ ዝኾነ ሽፋን መራኸቢ ብዙሃንን ማእሰርቲ ደገፍቶምን ምህላው ብምጥቃስ የማርሩ።
ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ትርኸብ ሃገረ ጅቡቲ ፈረንሳ፡ ኣሜሪካን ጃፓንን ወታሃደራዊ መደበራት ኣለዎም።ቻይና’ውን ካልእ መደበር ክሓንጽ’የ ትብል ኣላ። እዘን ሃገራት ወታሃደራዊ መደበራቶም ኣብዛ ንእሽቶ ሃገር ብምሕናጾም ኣገዳሲ ምንጪ ኣታዊታት ኾይንዎም’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።