ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ 2007 ምርጫ ኢትዮጵያ ንክመርፁ በዝሒ ዝተመዝገቡ 34.8 ሚልዮን ምኻኑ ተፈሊጡ!


ETHIOPIA ELECTION
ETHIOPIA ELECTION

ንዝሓለፉ 42 ማዕልታት ክካየድ ዝፀንሐ ምዝገባ መረፅቲ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ክሳብ ትማሊ 12 ለካቲት 2007 ዓ/ም 34.8 ሚሊዮን መረፅቲ ምምዝጋቦም ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ተቓዋምቲ ፓርታት ኣብ ኣመዘጋግባ ሕፁያትን መረፅትን ፀገማት ከምዝነበሩ ኣማሪሮም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ፀሓፊን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቶ ነጋ ዱፌሳ ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ እዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ በዝሒ መራፂ ዝተመዝገበሉ እዩ ኢሎም።ምዝገባ መረፅቲ ክሳብ ዝተዛዘመሉ ክሳብ ትማሊ ሓሙስ 12 ለካቲት 2007 ዓ/ም ኣብ ኢድ እቲ ቤት ፅሕፈት ዝኣተወ 34.8 ሚሊዮን መረፅቲ ተመዝጊቦም ኣለው ኢሎም።’’ብሃገር ለኸ ደረጃ 35.9 ሚሊዮን መራፂ ንምምዝጋብ ተሊምና ናይ ኽልተ ማዕልታት ከይሓወሰ 97 ሚእታዊ ተዓዊቱ’ሎ’’ኢሎም።

ናይ መወዳእታ ክልተ ማዕልታት ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንዘይተመዝገቡ ንዝካይድ ፍሉይ መመዝገቢ ማዕልታት ወሲኹ ግን ዝተትሓዘ መደብ ተዓዊቱ ክብሃል ከምዝኽእል ሓቢሮም ኣቶ ነጋ።

ተቓወምቲ ፓርትታት ግን ኣብ ከይዲ ምርጫ ዕንቅፋታት ከምዝነበሩ የማርሩ ኣለው።ሰማያዊ ፓርቲ ዘመዝገብኩዎም ብርክት ዝበሉ ሕፁያት ፓርተይ ካብ ቤት ፅሕፈት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ብዝተፅሓፈ ትእዛዝ ተሰሪዞምኒ ናብ ቦርድ ምርጫ እውን ጥርዓን ኣቕሪብና ኣለና ኢሎም ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት።ቁፅሮም ብዙሓት ምዃኖም ዝተዛረቡ ኣቶ ይልቃል ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ዝወዳደሩ ጥራሕ ናብ 200 ዝኾኑ ሕፁያት ከምዝተሰረዝዎም ሓቢሮም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቦርድ ምርጫ ኣቶ ነጋ ዱፌሳ ግን ዋላ ሓደ ሕፁይ ሰማያዊ ፓርቲ ኣይተሰረዘን ኢሎም።እቲ ሓቂ ኢሎም ንሶም ቦርድ ምርጫ ብዘይፈልጦ ኣዋዳድባ ‘’ምትሕብባር’’ብዝብል ሽም ኣባላት ካልኦት ፓርትታት ብሽም ሰማያዊ ፓርቲ ዝተመዝገቡ ሕፁያት እዮም ኢሎም።

ብኻሊእ ዜና ዝለዓለ በዝሒ ህዝቢ ምምዝጋቡ ክንሰርሓሉ ዝፀናሕና ብምዃኑ ዘሐጉስ’ዃ እንተኾነ ናይቲ ኣመዛጋግባ ፍትሓውነትን እቲ ሕጊ ብዝፈቕዶ ድዮም ተምዝጊቦም ዝብልን ሕቶታት ክነልዕል እንተለና ዘተሓሳስቡና ጉዳያት ኣለው ኢሎም ኣቦ መንበር ኣርባዕተ ፖለቲካዊ ፓርትታት ዝሓቖፈ መደረኽ ፕሮፌሰር በየን ጴጥሮስ።

‘’ንኹሉ ብማዕረ ብምስታፍ ዝተረኽበ ቁፅሪ ድዩ ኣብ ዝብል ጥርጣረ ኣለና ኢና’’ ምስበሉ ንሶም ኣስዒቦም ‘’ንኢህወዴግ ክመርፁ እዮም ዝተብሃሉ ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ክምዝገቡ ከለው ንምምዝጋብ ዝኸዱ ናትና ኣባላት ግን ናይቲ ምርጫ ጣቢያ ናይ ተመዝገብቲ ኮታ መሊኡ እናተብሃሉ ክምለሱ ዝተገብሩ ኣለው’’ኢሎም።

ናይ መምረፂ ካርዲ ፈቐዶ ገዛውቲ ይዕደል ከምዝነበረ ብምሕባር ሓንቲ ውልቀሰብ ኣብ ከንባታ ጠንባሮ 13 ናይ መምረፂ ካርድታት ተዋሂቡዋ ንቤተሰባ ወይ ንኣባላት ኢህወዴግ ክተከፋፍል ዝተገብረ ኣጋጣሚ ኢድ ብኢድ ሒዝናያ ንዝምልከቶ ኣፍሊጥና ኣለና ኢሎም።

ደገፍቲ ኢህወዴ ብበዝሒ ዝተመዝገብሉ ካብ ኢህወዴግ ወፃኢ ክመርፁ ዝተብሃሉ ድማ ብዝተፈላለዩ ስልትታት ካርዲ ንከይወስዱ ዝተነፍጉ ስለዝኾነ ጥርጣረ ሓዲሩና’ሎ ኢሎም ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ።

ዋና ፀሓፊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቶ ነጋ ዱፌሳ ግን ሽግር እንተጋጢሙ በብደርጅኡ ዝፍትሕሉ ኣገባባት ዝተዘርግሐ ስልዝኾነ ምስ መድረኽ ጥራሕ ከይኮነስ ምስ ካልኦት ፓርትታት እውን ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ገሊፆም።ዝተኸልከለ ዋላ ሓደ ዜጋ የለን፤መድረኽ እውን ዘቕረቦ ጥርዓን የለን ኢሎም ኣቶ ነጋ።

XS
SM
MD
LG