ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካን ሓገዝ ንወጻኢ ሃገራትን


ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካን ሓገዝ ንወጻኢ ሃገራትን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:20 0:00

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካን ሓገዝ ንወጻኢ ሃገራትን

ሩስያ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ናብ ሰሜናዊ ዩክሬን ኣብ ትደፍኣሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ዶናልድ ትራምፕን ዘሎ ፕረዚደንታዊ ውድድር ኣብ ቅልውላው ፖሊሲ ወጻእን ኲናት ቓዛን ኣተኩሩ`ሎ።

ኣብዚ ሰሙን`ዚ ብሸነኽ ሰሜን ትርከብ ቮቻንስክ ትብሃል ከተማ ዩክሬን ሓይልታት ሩስያ ተቖጻጺሮማ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዩክሬን ካብ ኣመሪካ ልዕሊ 50 ቢልየን ዶላር ሓገዝ ጸዲቑላ`ዩ። ፕረዚደንት ባይደን ንዩክሬን ምሕጋዝ ማእከል ፖሊሲ ጸጥታና `ዩ እናበለ ንኣዋርሕ ክዛረብ ጸኒሑ`ሎ።

"ኣመሪካ ሕጂ እንተኣላጊሳ፡ ዩክሬን ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ`ያ። ኤውሮጳ`ውን ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ እያ። ናጻ ዓለም ኣብ ሓደጋ ክወድቕ`ዩ። ነቶም ክጎድኡና ዝደልዩ`ውን ዘተባብዕ`ዩ። ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ዘለኒ መልእኽቲ፡ ኣይክንእለን ኢና ዝብል`ዩ።"

ተንተንቲ ከምዝብልዎ ግን ፕረዚደንታዊ ምርጫታት ኣመሪካ ንጉዳያት ፖሊሲ ወጻኢ ቀዳምነት ኣይህብን`ዩ፡፡ ጀምስ ተርበር፡ ኣብ ኣመሪካን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሰር`ዩ።

“ ኣብ ምውሃብ ድምጺ ጉዳይ ዩክሬን ኮነ ጉዳይ ፖሊሲ ወጻኢ ብዙሕ ትኹረት ኣይውሃቦን`ዩ። ትሕቲ 5% ዝኾኑ ኣድመጽቲ ጥራይ እዮም ኣገዳስነት`ቲ ጉዳይ ዝርኣዮም። ፖሊሲ ወጻኢ ክብሃል ከሎ ድማ ምስ ቻይና ዘለና ዝምድና። ንፑትን ንድሕሪት ምድፍኡ ከምኡ`ውን ኣብ ቓዛ ዝኸውን ዘሎ ነገር ዘጠቓልል`ዩ።"

ሪፖብሊካን ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ ግን ንዩክሬን ዝውሃብ ሓገዝ በዚሑ እዩ ዝብል። እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ መጀመርያ`ዚ ዓመት ክዛረብ ከሎ፡ ሓንቲ ኣባል ኔቶ ዝኾነት ሃገር ብሩስያ እንተተወሪራ ብሓባር ኮይና ንከላኸለላ ዝብል ውዕል ከኽብሮ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ ኔሩ`ዩ።

“ኣነ ኣይምሓለኹኹምን። እኳ ደኣስ ዝደለይዎ ክገብርኹም መተባባዕክዎም።"

እዚ መልእኽቲ`ዚ ኣብ ኣእምሮ`ቶም ኣመሪካ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዛዕባ ትገብሮ ምትእትታው ሻቕሎት ዘለዎም ሰባት ዘቃጭል`ዩ።

"ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ኣንጻር ሽበራ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ውግኣት፡ ንብዙሓት ኣመሪካውያን ናብ ተገላልነትን ናብ ኣመሪካ ነቐድም ዝብል ኣተሓሳስባን ጠውዩዎም ክኸውን ይኽእል`ዩ። በዚ ምኽንያት`ዩ ድማ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2016 ዝተዓወተ። ነዚ ናይ ሎሚ ዘመን 2024 ምርጫ፡ ሕጹይ ንክኸውን ኣብዚ ደረጃ`ዚ ኣብጺሕዎ ዘሎ ጉዳይ `ውን እቲ ከምኡ ዝበለ ኣተሓሳስባ`ዩ።"

ዩክሬን ኣንጻር ሩስያ ነብሳ ክተከላኸል ዝግበር ሓገዝ ይቋረጽ ዝብል ነገር ግን ኣብ ገለ ሪፓብሊካን ዝተፈለየ መርገጽ ክሕዙ ጌሩ`ዩ። ደጋፊ ትራምፕ ዝኾነ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ማይክ ጆንሰን እቲ ጉዳይ ሓገዝ፡ናብ ባይቶ ንድምጺ ኣቕሪቡ ከም ዝሓልፍ ጌሩ`ዩ።

ኣፈጉባኤ ማይክ ጆንሰን “ጠያይቲ ናብ ዩክሬን ምሰደድኩ፡ ካብ ናብ ኣመሪካውያን ኣወዳት " ኢሉ።

ተንተንቲ ኣብ ዩኒቨርሲታት ኣመሪካ ኣንጻር ኲናት ቓዛ ተቓውሞታት ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ ኣመሪካ ንረድኤት ወጻኢ ከመይ ተውዕሎ ዝብል ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ዓቢይ ናይ ክትዕ ኣርእስቲ ክኸውን`ዩ ይብ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG