ኣርባዕተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ንሃገራት ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ ሓይሊ ኤልክትሪክ ንምብፃሕ ዝሕግዝ ሕጊ ነዲፎም።ብዋጋ ዝሓሸን ዘተኣማምንን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምሕጋዝ ዩናይትድ ስቴትስ እትኽተሎ ስትራተጂ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ወከልቲ ኤድ ሮይንስ፣ኤልዮት ኢንጀል፣ክሪስ ስሚዝን ኬረን ባስን ትማሊ ሰሉስ ዘውፅእዎ ንድፊ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ ዘመናዊ ንምግባርን ተረባሕነት ኤሌክትሪክ ንምዕባይን ዝሕግዝ እዩ።
ካብ 10 ኣፍሪካዊያን እቶም ሸውዓተ ኣብ ገሊኡ ናይ ገጠር ዓድታት ድማ ካብ 10 እቶም ትሽዓተ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣይረኽቡን ክብሉ ወፍሪ ሓደ ናይ ዝተብሃለ ትካል ፈፃሚ ዳይረክተር ቶም ሃርት ገሊፆም።
ነቲ ሕጊ ካብ ዘፋለጡ ሓደ ኣብ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ኣቦ መንበር ንኡስ ኮምቴ ኣፍሪካ ክሪስ ስሚዝ እቲ ሕጊ ሚሊዮናት ኣፍሪካዊያን ተረባሕቲ ዘመናዊ ጥዕና ዝገብር እዩ ኢሎም።
እቲ ሕጊ ከዕውቶ ብዛዕባ ዝደልዮ ዘሎ ሸቶ ሃርት እንትገልፁ ‘’መጀመሪያ 50 ሚሊዮን ኣፍሪካዊያን ንፈለማ ግዜ ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክኾኑ ምግባር እዩ’’ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ኣብታ ኣህጉር እንተወሓደ 20 ሕሽ ሜጋዋት መጠን ዘለዎ ሓድሽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክምንጪ ኢና ንፍትን ዘለና’’ኢሎም።ኣብ ከተማን ገጠርን ከምኡ እውን ኤሌክትሪክ ዘይረኽቡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነብሩ ሰባትን ኤሌክትሪክ ምብፃሕ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።
እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ምስ ዝኣወጁዎ ተበግሶ ፓወር ኣፍሪካ ዝደጋገፍ እዩ ኢሎም ሃርት።
ኣፍሪካ ውራያት ንግዲ ንኸተሳልጥ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑዋ ዘሎ ሕፅረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ እዩ እውን ኢሎም ሃርት።