ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ብሰንኪ ክስተት ኤል-ኒኞ ልዕሊ 600 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ተመዛቢሎም " ዓለምለኸ ውድብ ፍልሰተኛታት /IOM/


ዓለምለኸ ውድብ ፍልሰተኛታት /IOM/ ብሰንኪ ክስተት ኤል-ኒኞ ልዕሊ 600 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ምምዝባሎም ኣፍሊጡ።

ናይ ጃፓን ኮርፖረሽን ፓናሶኒክ ብሓይሊ ፅሓይ ዝሰርሑ ኣስታት ክልተ ሽሕ ፋኑሳት ንተመዛበልቲ ሂቡ’ሎ።በዞም ፋኑሳት 36 ሽሕ ተመዛበልቲ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም።

እቲ ናይ ሓገዝ ርኽኽብ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈፀመሉ እዋን ወኪል IOM ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ዝኾና ሚሲስ ሞሪን ኤቸይን ከምዝሓበርኦ እቲ ትካል ኣብዘካየዶ ዳህሳስ ብሰንኪ ኤል-ኒኞ ካብ ነሓሰ 2014 ክሳብ ግንቦት 2016 ኣ/ፈ ኣስታት 630 ሕሽ ካብ ዝነብርሉ ምምዝባሎም ተረጋጊፁ ኢለን።

ሚሲስ ሞሪን ኤቸይን: "ፓናሶኒክ ዝሓገዞ ፋኑስ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ለይቲ ኣብዝንቀሳቐሳሉ እዋን ደሕንነተን ኣብ ምሕላው ዝለዓለ ሓገዝ ከምዝገብር እምነትና እዩ ኢለን "።

ኮርፖረሽን ፓናሶኒክ ቅድሚ ሎሚ እውም ንዝተፈላለያ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃበራት ተመሳኣስሊ ሓገዝ ከምዝሃበ ምኽትል ዳይረክተር እቲ ኮርፖረሽን ሓቢረን።

XS
SM
MD
LG