ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝበጽሑ ም/ፈ/ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዙ ከዛይድ ኣተሓሳሲቦም


ምኽትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት(ዩኒሴፍ) ቴድ ቻይባን ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ኣብ ሙሉእ እታ ሃገር ንዘጋጠመ ዓሙቕ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምክልኻል ማሕበረሰብ ዓለም ንህፃናትን ስድራቤታትን ዝገብሮ ሓገዝ ብቕልጡፍ ከዛይዶ ኣተሓሳሲቦም።

“ኢትዮጵያ ብዙሕ ቅልውላዋት ኣጋጢምዋ ይርከብ ድልየታት ድማ ካብ ምላሽና ንላዕሊ ይኾኑ ኣለዉ” ዝበሉ ቻይባን ኣብ ሰሜን፣ ማእከላይን ደቡብን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ብኤል-ኒኖ ዝሰዓበ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ህፃናት ከቢድ ፅልዋ ፈጢሩከምዝርከብን ኣብ 2024 ኣስታት 1-ሚልዮን ህፃናት ብሕፅረት መግቢ ክሳቐዩ ከምዝኽእሉን ኣስታት 350- ሽሕ ነፍሶፆራትን ዘጥውባን ኣዴታትን ድማ ሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ከጋጥመን ምዃኑ ሓቢሮም።

እቶም ዳይሬክተር ኣብ ጉዕዞኦም ኣብ ክልል ትግራይ ኣዝዩ ብድርቂ ንዝተሃሰየ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዝበፅሑ ኾይኖም መጥን ሕፅረት መግቢ እቲ ኸባቢ ካብ ደረት እቲ ህፁፅ እዋን ዝሓለፈ ምዃኑ ገሊጾም። ቻይባን “እዚ ዞባ ስድራቤታት ናይ ምፅዋር ዓቅሞም ዝተፀንቀቐሉ ከባቢ እዩ” ኢሎም።

ነቲ ዘሎ ኩነታት ዝያዳ ዝሓላልኾ ድማ ኣብ ሙሉእ እታ ሃገር ኣጋጢሙ ዝርከብ ህፁፅ ኩነታት ጥዕና እዩ ዝበሉ ቻይባን ከም ሕማም ኮሌራ(ሽሮኽ)፣ ንፍዩ፣ ጨለውታ(ፀለውታ)ን ዓሶን ብብዝሒ ይረኣ ምህላው ምዃኑ ሓቢሮም።

እዚኦም ንህፃናት ዘጥቅዑ ብቀሊሉ ምክልኻል ዝከአል ሕማማት ምዃኖም ይኹን እምበር እታ ሃገር ምስቲ እቲ ዝነበረ ግጭት ዝፈጠሮ ፅልዋ ትገጥም ምህዋላ ብፍላይ ነቶም ዝያዳ ተቃላዕቲ ክፋላት ማሕበረሰብ ማህሰይቱ ዝዛየደ ምዃኑ ቻይባን ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ዩኒሴፍ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት መሻርኽትን ብምትሕብባር ነቲ ኣጋጢሙ ዝርከብ ፀገማት ምላሽ ንምሃብ ይሰርሕ እኳ እንተሎ ካብዚ ንላዕሊ ክስራሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ'ሎ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ 3.24 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ክሓትት ከሎ ዩኒሴፍ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ንዝርከቡ ህፃናት ዝውዕል ብህፁፅ ናይ535 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክረክብ ይምሕፀን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG