ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ከባቢ ምኤሶ ኣብ ዝሓለፈ ሶኑይን ረቡዕን ብዝተፈጥረ ግጭት ሸሞንተ ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ገሊፆም።
እቶም ነበርቲ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ኣብ ክልል ኦሮሚያ እንስሳት ብምርባሕ ዝናበሩን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሊያን ዝተኻየደ እዩ ኢሎም።
ንክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ይፍጠሩ ዘለው ግጭታት ህይወት ሰባት እናጠፍአ ምዃኑ ነበርቲ ይገልፁ።
ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ወረዳ ምኤሶ ከተማ ምኤሶ ሶኑይ 22 ነሓሰ 2009 ዓ.ም ከምኡ እውን ረቡዕ 24 ነሓሰ 2009 ዓ.ም ኩርፉ ኤደራ ኣብዝተባህለ ቦታ ኣብ መንጎ ሓለውቲ ከብቲ ክልል ኦሮሚያን ናይ ሶማሊያ ክልል ፍሉይ ሓይሊን ግጭት ከምዝነበረ ኣብ ከባቢ ምኤሶ ዝነብሩን ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩን ወልቀሰብ ይገልፁ።
“ብቕድሚ ትማሊ ውግእ ነይሩ።ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሊያ ኣብ ልዕሊ ከተማ ምኤሶ ውግእ ከፊቱ ብዙሕ ፀገም ይፍጠር ኣሎ።ብኣና ወገን ዝተዓጠቐ ሓይሊ የብልናን።ሚልሻታት እዮም ዘለውና፤ኣብ ሰፈር እዩ ውግእ ተኸፊቱ።”
እዞም ሽሞም ዘይገለፁ ሰብ ምኽንያት ናይቲ ግጭት ተሓቲቶም ዶብ ናይ ምስፍሕፋሕ ጉዳይ፣ናይ ካልኦት ዶብ ንምውሳድ እዩ ኢሎም።በቲ ግጭት ብዛዕባ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ድማ ከምዚ ይብሉ።
“ኣብ ድሬበሎን ደበታ ዝብሃል ቦታን ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም።ኣብ ምኤሶ ሓደ ሰብ፣ብድምር ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም።ዝተፃረየ ሓበሬታ የብለይን ግን ኣብዚ ኣርባዕተ ሰባት ቖሲሎም።”
እቶም ነበርቲ ምሉእ ሓላፍነት ክወስድ ዘለዎ መንግስቲ እዩ፤ናይ ፌደራል፣ናይ ኦሮሚያን ናይ ሶማሊያን ክልላዊ መንግስታት ነቶም ፀገማት ክፈትሑ ነይሩዎም ይብሉ።
ብዛዕባ ጠፊኡ ዝተባሃለ ህይወት ይኹን ካልእ ካብ ክልቲኦም ክልላዊ መንግስታትን ፌደራልን መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።ይኹን እምበር ሓላፊ ቢሮ ኮምኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብዚ ሰሙን እዚ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ኣብዝሃብዎ መብርሂ ዶብ ከይተወሰን ምፅንሑ ፀገም ይፍጠሩ ምንባሮም ብምግላፅ ወሰን ኣብ ምፍላይ ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ኣለና ኢሎም።