ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ ከማሼ ወረዳ በሎጂጋንፎይ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ዝተላዕለ ግጭት ህይወት ሸሞንተ ሰባት ምጥፍኡ መንግስቲ’ቲ ክልል ኣፍሊጡ።
መንግስቲ’ቲ ክልል ብተወሳኺ እቲ ግጭት ምስ ናይ ብሄር ግጭት ዝተሓሓዝ ኣይኮነን ኢሉ’ሎ።
እቲ ዓርቢ ዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ተማሃራይ 10ይ ክፍሊ ብምሟቱ ብሕነ ምፍዳይ ዝተፈጥረ እዩ ክብሉ ናይ ቤንሻንጉል ጉምዝ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን አቶ መንግስቱ ፔሶ ገሊጾም።
ፖሊስ ናይ ምክልኻል ስራሕ ብምስራሕ እቲ ኩነታት ተረጋጊኡ ኣሎ፡ ነዲዶም ዝተባህሉ ኣባይቲ ኮነ እቲ ግጭት ኸአ ይጻረ ኣሎ ኢሎም።
ብኻልእ ወገን ሎሚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ነቀምት ህይወት ሰለስተ ከምዝጠፍአ ተገሊጹ’ሎ።