ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ


ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ ኣዲስ ኣበባ (ጸጋም) ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ ኣስመራ (የማን)
ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ ኣዲስ ኣበባ (ጸጋም) ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ ኣስመራ (የማን)

ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ በበይኑ ቦታታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ሎሚ ተዘኪሩ ከም ዝወዓለ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ከካብ ቦታኡ ጸብጺቦም። ዒድ ኣልኣድሓ ኣመንቲ እስልምና ሕሩድ ብምቕራብ ንዝተጸገሙን ድኻታትን ዝሕግዙሉን ሽሻይ ዘካፍሉሉን ቅዱስ ዕለት’ዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ጽንብል በዓል ዒድ ኣልኣድሓ መበል 1444 ዝኽሪ ዓመት ኰይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ስታድዮም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ፕረዚደንት እስላማዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ሸኽ ኢብራሂኦም ቱፋ ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብ ኣስመራ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ በዓል’ውን፡ ብሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ሳሊም ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር ኣብ ዝመርሑዎ ስነ-ስርዓት፡ ሰብ-ስልጣን መንግስቲን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ብተመሳሳሊ ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መእመናን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ረዳ’ውን እቲ ናይ መስዋእቲን ምትሕግጋዝን በዓል፡ ብተመሳሳሊ መንፈስ ነቲ ዝተወጽዐ ኣካል ሕብረተሰብ ኣብ ምሕጋዝ ዜጋታት እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዖም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG