ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል ዒድ-ኣልፈጥር ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ


ዒድ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን
ዒድ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን

በዓል ዒድ-ኣል-ፈጥር ኣልሙባረክ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓትን ሰለማዊ ሃዋሁን ምሕላፉ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ከካብ ቦታኡ ልኡኾም። ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣሽሓት ምእመናን ኣብ ስታዮም ተረኺቦም ነቲ ቅዱስ ዕለት ሓቢሮም ክጽንብሉዎ እንከለዉ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት’ውን፡ ድሕሪ ጾሞ ሮሞዳን እዛ ቅድስቲ ዕለት ናብ ርሁው መጻኢ ከተስግሮም ዘለዎም ምንዮት ገሊጾም።

ኣብ ኣስመራ ኣብ ኣደባባይ ባሕቲ-መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ምእመናን፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣጋጣሚ ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ሳልም ኣልሙኽታር መንፈሳዊ መልእኽቲን ኣገዳስነት እታ በዓልን ገሊጾም። ኣብ በበይኑ ከተማታት ኤርትራ’ውን እቲ በዓል ብዓቢ ድምቀት ከም ዝተኸብረ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል፡ እቲ በዓል ሰላም ኣብ ዝወረደሉ እዋን ይኽበር ብምህላዉ ዝተሰምዖም ሓጐስ ክገልጹ እንከለዉ፡ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ነቲ በዓል ምስ ኣመንቲ ምሕላፎም ዝተሰምዖም ሓጐስን ናይ ዝመጽእ ተስፋን ኣካፊሎም።

XS
SM
MD
LG