ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብድምቀትን ተኸቢሩ


ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ኣዲስ ኣበባ(ጸጋም)ን ኣስመራን (የማን)
ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ኣዲስ ኣበባ(ጸጋም)ን ኣስመራን (የማን)

መበል 1445 ህጅሪያ ዒድ-ኣልፈጥር ኣልሙባረክ ሎሚ ረቡዕ 10 ሚያዝያ 2024 ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓትን ሰላማዊ ሃዋሁን ምኽባሩ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቦም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ ኣሽሓት ምእመናን ኣብ ስታድዮም ኣዲስ ኣበባ ብምእካብ ንምዛዝም ቅዱስ ጾም ሮሞዳንጸንቢሎም። ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ ኣብቲ ምእመናን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽብሉ ጽንብል ሜዳ ባሕቲ መስከረም፡ ብሙፍቲ ኤርትራ ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ዝምራሕ ስነ-ስርዓት ተፈጺሙ።

ኣብ ክልል ትግራይ፡ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ክልል ትግራይ ምስ ናይ መላእ ሃገር ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ርክቡ ድሕሪ ምጅማሩ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ምእመናን ነቲ በዓል ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ከም ዝጸንበልዎ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ሃቢሮም።

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ’ውን ብፍሉይ ኣቕሽሽቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ንኣመንቲ እስልምና ማይን ካልእ ቀረባትን ክዕድሉ ምርፋዶም ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG