ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ናይ ኢንዱስቱሪ ፓርክታት ንምህናፅ 200 ሚሊዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ከምዘለቅሕ ኣፍሊጡ


European investment bank logo
European investment bank logo

ባንኪ ኢንቨስትመን ኣውሮፓ 30 ሽሕ ስደተኛታት ዝቖፅሩ ክልተ ናይ ኢንዱስቱሪ ፓርክታት ንምህናፅ 200 ሚሊዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ንምልቃሕ ከምዝመደበ ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ፀብፂባ።እቲ ባንኪ ሎማዕንቲ ረቡዕ ከምዝገለፆ እቲ ልቓሕ ዋሕዚ ናብ ኣውሮፓ ዝኸዱ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለመ እዩ ኢሉ’ሎ።

ኢትዮጵያ ካብ ጎረባብታ ዝመፁ ልዕሊ 743 ሽሕ ስደተኛታት ኣዕቒባ`ላ፡ ልዕሊ 161 ሽሕ ኤርትራዊያን ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ ኣለዉ ይብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሪፖርተር ሮይተርስ ኣሮን መዓሾ ።

እቶም 30 ሽሕ ስደተኛታት ካብቶም 500 ሚሊዮን ዶላር ዝውድእ ፕሮጀክት ዝቑፀሩ 100 ሽሕ ሰባት ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ባንኪ ዓለም፣ብሪታኒያን ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓን ክሽፍኑዎ እዮም።

XS
SM
MD
LG