ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: 757 እሱራት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ተፈቲሖም


ዝዋይ
ዝዋይ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኽን ያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ድሮቲ በዓል 757 እሱራት ፈቲሑ።

ካብ መንጎ እቶም ዝተፈትሑ ብገበን ሽበራ ተኸሲሶም ዝነበሩ ኣባላት ኮሚቴ ኣናዳይ ፍታሕ ማሕበረሰብ ሙስሊም ይርከብዎም።

ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኢትዮጵያ ንዓቃብ ሕጊ ኣቶ ጌታቸው ኣምሃ እምባየ ብምጥቃስ ከምዝሓበርዎ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ፌደራል ኣብ ቃሊት ዝዋይ ድሬዳዋን ሸዋሮቢት ብውክልና ፌደራል ኣብያተ ማእሰርቲ ካብ ዝሰርሑ ክልላት ደቡብን ትግራያን ከምኡውን ሃረር ካብ ዝርከብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይቕሬታ ንኽግበረሎም ንቦርድ ይቕረታ ካብ ዝቐረቡብ እሱራት እቶም 720 ነቲ መዐቀኒ ኣማሊኦም ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ ኣሎ።

ኢትዮጵያ: 757 እሱራት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ተፈቲሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:26 0:00

XS
SM
MD
LG