ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ን121 ጥርጡራት ኦነግ ዝተባሃሉ ከምዝኣሰረት ኣፍሊጣ


እሱራት መሰል ጠበቃ ተኸልኪሎም ኢሎም ይወቅሱ ተቃወምቲ

ኣብ ኢትዮጵያ ክሊ ኦሮምያ መጋቢት ካብ ዝኣቱ ንነዘ ኦነግ ኣብ ኤርትራን ኬንያን ዝዓለሞም እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጥሩ 121 ሰባት ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዝተኣሰሩ መንነቶም ክጥቀስ ዘይመረፁ መንግስታዊ ባዓል ስልጣን ኣፍሊጦም።

እቶም ንቪኦኤ ቃለ-ምልልስ ዝሃቡ ባዓል ስልጣን፣ፖሊስ ፈደራል ነቶም ዝተኣስሩ ውልቀ-ሰባት ካብ መጋቢት ጀሚሩ ይከታተሎም ከምዝፀንሐን፣ትእዛዝ ቤት-ፍርዲ ድሕሪ ምርካቡ ነቲ ስጉምቲ ምውሳዱን ሓቢሮም።

ንሶም ወሲኾም፣እቶም እሱራት ኣብ ኤርትራን ኬንያን ብኦነግ ታዕሊም ከምዝረኸቡን፣ኣብ ውሽጢ ኢትዮዽያ ናይ ኦነግ ጉጅለታት ጥፍኣት ንምፍጣር ይሰርሑ ነይሮም ይብሉ።

ባዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲኾም ሃገራዊ ኮንግረስ ኦሮሞ፣ዝተኣሰሩ ኣባላቱ ምኻኖም ንክገልፅ ተሓቲቱ፣ናይ 12 ሰባት ዝርዝር ኣቅሪቡ‘ሎ።እንተኾነ እቶም ክልተ ዱር ምስ ምጭፍጫፍ ብዝተታሓሓዘ ተኸሲሶም ገበነኛ ተባሂሎም ዝተኣሰሩ፣እቶም 10 ድማ ምልምላት ኦነግ ኮይኖም ከምዝተረኽቡ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ንመርበብ ኦነግ ንምብታኽ ብመሰረት ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣባላት ኦነግን ኦብኮን ኮይኖም ዝተረኽቡ 121 ሰባት ከምዝተኣሰሩን፣መስርሕ ምርመራ ምስ ተዛዘመ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዝቀርቡን እቶም ባዓል ስልጣን ኣፍሊጦም።

ብካልእ ወገን፣64 ኣባላት ፌደራላዊ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኦሮሞን ህዝባዊ ኮንግረስ ኦሮሞን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኣሰሩ ኣቦ መንበር ኦፍዴን ኣቶ በቀለ ገርባ ገሊፆም።ተኣሰርቲ ቁፅሪ ሰሌዳ ብዘይብለን ማካይን ካብ ጂማ፣ነቀምቴ፣ቡራዩ፣ሆለታን ሰበታን ከምዝተወሰዱ እቲ ዜና ይሕብር።

እቶም ኣብ ማእከላዊ ዝተኣሰሩ ተማሃሮ፣መማህራንን ሕፁያት ፓርላማ ዝነበሩን ምኻኖምን ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ መሰል ጠበቃ ከይረኽቡን ምስ ካልእ ሰብ ክራኸቡ ከምዘይተፈቀደሎምን ጋዜጣ ብሉምበርግ ሓቢራ።

XS
SM
MD
LG