ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮ/ሰ/ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ምቍራጽ መሃያ ሰራሕተኛታት ክልል ትግራይ ዝተራእየ ምትዕንቓፍ ኣገልግሎታት የመልክት


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

ኣብ ክልል ትግራይ፡ እቲ ኣብ እዋን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ን18 ኣዋርሕ ዝተቛረፀ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ስራሕ ውጽፅኢትን ተበግሶን ብኣሉታ ከም ዝፀለወ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኮሚሽን ዳይሬክተር ክፍሊ ምርመራን ክትትልን ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰላማዊት ግርማይ፡ ብዛዕባ እቲ መግለፂ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፡ እቲ ኮሚሽን ኣብ መኣረሚ ቦታታት፡ ኣብ ጣብያታት ፖሊስን፣ ኣብ ትካላት ጥዕናን፣ ክትትል ከም ዝገበረ ኣመልኪተን። ዓውዲ ጥዕና ካብቲ ኣካል መፅናዕቲ እቲ ኮሚሽን ኮይኑ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተዛማዲ ምምሕያሽን ዳግመ-ህንፀትን እኳ እንተ ተራእየ፡ ብሕልፊ ንግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ኣብ ዝግበር ሓገዝ ግን እኹል ከምዘይኾነ እቲ ፀብፃብ ይሕብር።

ድሕሪ ስምምዕ ምቍራፅ ተፃብኦ ፕሪቶሪያ ናይ 18 ኣዋርሕ መሃያኦም ክኽፈሎም ትፅቢት ዝገበሩ ሰራሕተኛታት ከምቲ ዝሓሰቡዎ ስለ ዘይኰነ ንልቓሕን ካልእ ምትንካፍ ሞራልን ከም ዘምርሐ’ውን እቲ ኮሚሽን ኣብ ፀብፃቡ ሓቢሩ።

ነዚ ዘሎ ሃጓፋት ንምእራም ፈደራል መንግስቲን ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ፍታሕ ከናድዩ ድማ እተን ዳይሬክተር ፀዊዐን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG