ዋሽንግተን —
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ዝርአ ዘሎ ቅትለት፡ ምዕጣቕ መንእሰያት፡ ዘረፋን ምትፍናን ክሃድእ ብምጽዋዕ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ’ውን ቅልጡፍ ምትእትታው ብምግባር ነቲ ጎንጺ ከህድኦ ጸዊዑ። መግለጺ እቲ ኮሚሽን ቅድሚ ሰሙን ብ6 ሰነ ኣብ መንጎ ክልተ ክልላት ብረታዊ ጎንጺ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት በብእዋኑ ዝደግስ ዘሎ መጥቃዕታት ንሲቪላውያን ዜጋታት ቀንዲ ግዳይ ገይሩ ምህላዉ ሓቢሩ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝተብጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክጸንዕ ብምጽዋዕ ብቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ንምዕራፍ ዝተወስደ ተበግሶ ንኢዱ።
ድምጺ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ግብረ-መልሲ ክልቲኦም ኣካላት ንምስማዕ ዝገበሮ ጻዕሪ ንሎሚ ኣይሰመረን። ኣብ ቀጻሊ ግን እንኮላይ ንነበርቲ ሓዊሱ ዝሰፍሐ ጸብጻብ ከነቕርብ ኢና።
ቅጥዒ