ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለፂ ኢሰመኮ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣዋርሕ ዝቀፀለ ጎንፅን ሳዕቤኑን


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ብዙሓት ወረዳታት ብረታዊ ጎንፅታት ከም ዝነበረን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኢሰመኮ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ሎሚ 30 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ እዚ መግለፂ ክሳብ ዝወፀሉ ግዜ እዚ ከባቢታት ሓይልታት ፀጥታን 'ፋኖ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቅ ጉጅለን በብጊዚኡ ክቆጻጸርዎ ዝጸንሐ'ዩ ኢሉ።

እቲ ኮሚሽን እዚ ጎንፅታት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት፡ ማሕበራዊ ምንቅስቃስን ዘስዓቦ ኣሉታዊ ሳዕቤን ምክትታሉ ከም ዝቀፀለ ብምጥቃስ ብፍላይ ምስ ዝምልከቶም መንግስታዊ ሓለፍቲ ኣብቲ ጎንፂ ዘጋጠመሉ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ግዳያትን ስድራ ግዳያትን ብምዝርራብ መረዳእታታት ምትእኽኻቡ ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ‘ውን ናይ ድሮን ሓዊሱ ብከበድቲ ብረት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ሞት፡ ናይ ኣካለ ጉድኣትን ምውራዱን ሰባት ካብ ከባቢኦም ክሃድሙ ከም ዝተገደዱን እቲ መግለፂ ቦታታትን ዕለትን ብምጥቃስ ኣስፊሩ’ሎ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ንሲቪል ሓለፍቲ መዝነት መንግስቲ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕታት፡ ቅንፀላታትን ጭውያን ከምዝተፈጸመ’ቲ መግለፂ ጠቂሱ’ሎ። ብተወሳኺ ኣብቲ ጎንፂ ዝተራእየሉ ከባቢታት ፆታዊ ዓመፅ ምፍፃሙ መረዳእቲ ከም ዝበፅሖን እዚ ብህፁፅ ተመርሚሩ ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ ኢሉ’ሎ። ኣብ ልዕሊ ሲቭል ትካላት ንግዲ፡ መሰረታዊ ትሕተ ቅርፅታትን ህዝባዊ ንብረትን ግራውትን ኣእካልን ከይተረፈ ንዝወርድ ዘሎ ጥፍኣት ትኹረት ክወሃቡ ተመዛባልቲ’ዉን ናብ መንበሪኦም ንኽምለሱ ኩነታት ክመዓራረየሎም ክብል ኢሰመኮ ኣብቲ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG