ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝካየድ ምፍራስ ኣባይቲ ምዕዛቡ ሓቢሩ


ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕዳር ከተማ አዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምምሕዳር ከተማ ሸገርን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዝጀመረ ምንቅስቃስ ምፍራስ ኣባይትን ምምዝባል ነበርትን ብኣካል ተረኺቡ ምዕዛቡ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተስፋየ ገመቹ ነቲ ተግባር ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሃገራዊ ይኹን ዓለምለኻዊ መምርሕታት ሰብኣዊ መሰል ዘይተኸተለ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ንሶም ወሲኾም ኣብ ክልል ኦሮምያ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ዝተፈፀመ ምፍራስ ኣብያተ እምነት እውን እቲ ጉባኤ ዝተዓዘበ ምዃኑ ኣብቲ ኸባቢ ጥራሕ 19 መስጊዳት ምፍራሶም ሓቢሩ።

ብፍላይ ምስ ኣብያተ እምነታት ተተሓሒዙ ዝተፈፀመ ምፍራስ ምስቲ ህዝቢ ተዛቲኻ ካልእ መተካእታ ቦታ ብምሃብ ክፍፀም ይግባእ ከምዝነበረ እዚ ድማ ንዘሎ ክፍተት ዘርኢ ኢዩ ክብሉ ነቂፎሞ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ መስጊድ ኣንዋር ነቲ ተግባር ብምቅዋም ንሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝወፁ ሰልፈኛታት ሓይሊታት ፀጥታ ብዝወሰድዎ ዘይመጣጠን ግብረመልሲ ሞት ሓዊሱ መጉዳእቲ ኣካል ከምዘጋጠመ እውን ወሲኾም ገሊጾም።

ንምፍራስ መንበሪ ኣባይቲን ቤተ እምነታትን ኣመልኪቱ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ ነቲ ተግባር ኮኒኖም ።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነዚ ምፍራስ ኣባይቲ ኣመልኪቱ ብዝገብሮ መርመራታት ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ከምዘጋጠሞ ብምግላጽ ገለ ኣባላቱ ድማ ስጋብ ናይ ሓደ ሰሙን ማእሰርቲ ከምዝበፅሖም ሓቢሩ።

ድምጺ ኣመሪካ ብወገኑ ካብ ክልቲኦም ምምሕዳር ከተማታትን ክልል ኦሮምያን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገብሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰለጦን።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ክልል ኦሮምያ ሃይሉ ኣዱኛ ትማሊ ረቡዕ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ንምክልኻል ተባሂሉ ዝፍፀም ዘሎ ምዃኑን ኣብ ልዕሊ 600 ከተማታት ይካየድ ከምዘሎን ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG