ዋሽንግተን —
ካብ ሰነ 2014 ክሳብ ሰነ 2015 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ንዝሽፍን ናይ ሓደ ዓመት ገምጋም ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዝሓዘ ጸብጻብ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሎሚ ረቡዕ 12 ሓምለ 2023 ወግዓዊ ገይሩ። ኣብቲ 106 ገጻት ዝሓዘ ንተወካሎ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ጸብጻብ፡ ዘይምርግጋእ፡ ጎንጺን ውግእን ዝወለዱዎም ሰብኣዊ ጥሕሰታት እቶም ዛያዳ ጎሊሖም ዝተራእዩ ጥሕሰታት ምዃኑ ኣስፊሩ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ ገለ ወገናት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ዝተራእየ ኣፈታትሓ ግርጭታት ዝምስገን ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ግን ኵሉ-ሓቈፍን ክፉትን ዘተን ተበግሶን ከም ዘድሊ ኣስሚሩ።
መጭወይቲ፡ ማእሰርቲ፡ ዘስካሕኽሕ ቅትለታት፡ ብሕልፊ ኣብ ክልል ኦሮሞያ ኣዝዩ ኣሰካፊ ምህላዉ እቲ ኮሚሽን ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ።
ቅጥዒ