ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኦሮምያ ሕጽረት ኣገልግሎት ጥዕና ከምዘሎ ኮሚሽን ሰ/መሰላት ሓቢሩ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክልል ኦሮምያ እሱራት ሕጂ'ውን ከቢድ ሕፅረት ኣገልግሎት ጥዕና ከምዘጋጥሞም ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ውጽኢት'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክልል ኦሮምያ ከካይዶ ዝፀንሐ መፅናዕቲ ኣውፂኡ'ሎ። እቲ መፅናዕቲ ኣብ 31- ኣብያተ ማእሰርቲ እቲ ክልል ከምዝተኻየደ ዝገለፁ ናይቲ ኮሚሽን ሓላፊ ጨንፈር ጅማ ኣቶ በዳሳ ለሜሳ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን መዝገብ እሱራትን ምምሕያሽ ከምዘሎ ፈሊጥና'ለና ግን ሓሓሊፉ ሕጂ እውን ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝረኣ ፈሊጥና'ለና ክብሉ ንሬድዮ ድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።ከምኡ'ውን ይወሃብ ዝነበረ እሱራት ብምሕረት ናይ ምፍታሕ ዕድል ምንካዩ ገሊፆም፡ መንግስቲ ነዚ ክሓስበሉ ተላብዮም።

ኮሚሽነር ኣብያተ ማእሰርቲ ክልል ኦሮምያ ኢብራሂም ሓጅ እተን ኣብያተ ማእሰርቲ ካብ ስግኣት ነፃ'የን ክብሉ ከለዉ ኣብ ጨፌ ኦሮምያ ኣካቢ ኮሚቴ ምሕደራ ሕግን ልምዓት ዓቕሚ-ሰብን ኣቶ ገብሬ ኡርጌሳ ኸኣ ብምሕረት ዝፍታሕ ሰብ ናብ ሕብረተሰብ ዝፅንበር ብምዃኑ እኹል መፅናዕቲ የድሊ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ምግሃስ ስብኣዊ መሰላት ብዝተተሓሓዘ ዝቀርቡ ፀብፃባት ናብ ሕጊ ንምቅራብ ይስራሕ'ሎ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG