ኣብ እዋን ግጭታትን ካልኦት ዞባታትን ዝፍጸሙ ግህሰት መሰላትን ስግኣታትን ብህጹጽ ደው ንክብሉ፣ ኣብ ክልላት አምሓራ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዘለው ብረታዊ ጎነጻት ብልዝብ ንክፍትሑ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ጸዊዑ።
እቲ ኮምሽን ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ብሰንኪ ይካየዱ ዘለው ግጭታት ንዝፍጸሙ ዘተሓሳስቡ ጥሕሰታት ምክትታልን ምርመራን ቀጺሉ ከምዘሎ ይጠቅስ።
ብዘይካ'ዚ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቀሱ ዕጡቓትን ሰራዊት መንግስቲን ዝካየድ ውግእ ዝፍጸሙ ግህሰታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ሞት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ዘረፋ፣ ጭውያን ምፍንቃልን ከምዘስዓበ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ሕጊ ወጻኢ ቅትለት፣ ብሃውሪ ምእሳር፣ ጭውያ፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ናይ ከበድቲ ኣጽዋርን ነፈርቲን ደብዳባት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ዘረፋ ንብረትን ካልኦት በደላትን ይፍጸሙ ከምዘለው ይገልጽ።
ኢሰመኩ ዘካተቶም ሪፖርታት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክሳብ ሎሚ ዘጻረዮም ጥራሕ ምዃኖም ብምግላጽ ብሰንኪ ስእነት ሰላምን ካብ መንግስታዊ አካላት ግቡእ ምላሽን ምትሕብባር ዘይምርካብን ግና ንካልኦት ጸገማት ግህሰት ከጻርዮም ከምዘይካኣለ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቅጥዒ