ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ፣ መንቀሊ ስቃይ ህዝቢ ኮይኑ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ከምዝኾነ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ነቲ ኮምሽን ይመርሑ ዝነበሩ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ብወገኖም ስርሖም ከምዘብቀዐ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።
ሳልሳይ ዓመታዊ ሪፖርት ሎሚ ዝዘርገሐ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ቃንዛ ሰላማዊ ህዝቢ፣ ሞት፣ ኣካላዊ ጉድኣት ዝረኣ ዘሎ ብሰንኪ ሓይልታት መንግስቲን ዕጡቃት ሓይልታትን ከምዝኾነ፣ እዚ ድማ ከቢድ ሻቅሎት ሰብኣዊ መሰላት የስዕብ ከምዘሎን ሓቢሩ።
እቲ ሪፖርት ወሲኹ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ መስርሕ ፖሊሲ ፍትሒ ስግግር ኣብ ምቅላል ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እቲ ጎሊሁ ክጥቀስ ዝኽእል እዩ ይብል።
ስርሖም ከምዘብቀዐ ዝገለጹ ኮምሽነር’ቲ ኮምሽን ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ብወገኖም ‘ንቀለበት ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ ንምብታኽ፣ ሰላማዊ ኣገባብ፣ ልዝብን መስርሕ ፍትሒ ስግግርን እንኮ ኣማራጺታት እዮም’ ከምዝበሉ ዝመጸ ዜና ጠቂሱ።
ቅጥዒ