ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብጀነራል ሓምዲ ባዲን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ግብጺ ምስ ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተራኺቡ


ጀነራል ሓምዲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግብጺ`ዩ።

ጉጅለ ልኡኽ ግብጺ ኣብ`ቲ ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ መጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረን ሓለቓ ስታፍ ኮሌነል መልኣከ ተስፋማርያምን ዝተራኸበሉ እዋን ብዛዕባ ወፍሪ (ኢንቨስቲመንት) ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኢንዱስትሪ ምግፋፍ ዓሳ ተዘራሪቡ ትብል መርበብ ሓበሬታ ሻባይት።

ነቲ “ጉጅለ ንግዲ ልኡኽ ግብጺ” ፕረጺደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ `ውን ተቐቢሉ ኣዘራሪብዎ`ዩ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ግብጺ ወደብ ምጽዋዕን ካልኦት ከባቢታት ቀይሕ ባሕርን ከምዝበጽሑ ተሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG