ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ፡ ብነፈርቲ ሓገዝ ናብ ቓዛ ምብጻሓ ሓቢራ


ፋይል
ፋይል

ግብፂ ትማሊ ሰሉስ 12 መጋቢት 2024 ኣብ ሰሜን ቓዛ ብነፈርቲ ሓገዝ ምድርባያ ሮይተርስ ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ግብፂ እዚ ኣካል ናይ እቲ ጥምረት ሃገራት ዘካይድኦ ዘለዋ ብነፈርቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ፍልስጤማውያን ምብጻሕ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ ፈላሞት ክልተ መዓልታት ምጅማር ጾመ ሮመዳን ብርክት ዝበላ ሃገራት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ነፈርቲ ናብ ሰሜን ቓዛ ኣብፂሐን።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ተኻይዶ ዘላ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ መብዛሕቲኡ ካብ 2.3 ሚልዮን ዝፅጋዕ ነበርቲ ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎምን ንኸቢድ ሕፅረት መግቢ፣ ማይን መድሃኒትን ኣቓሊዖም ይርከብ።

ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ ርብዒ ህዝቢ ቓዛ ኣብ ከቢድ ጥምየት ከምዝርከብ ይሕብር፣ ምንቁልቋል ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ መዓልታዊ ድልየታት ንኽዛይድ ይገብሮ ኣሎ ይብል።

ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ኣብዚ እዋን ብባሕሪ ኣቢሎም ረዲኤት ኣብ ዘብፅሕሉ ኩነታት ጠመተ ገይሮም ከምዘለው'ውን ይገልጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG