ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣየር ግብጺ ናብታ ብኲናት እትሕመስ ዘላ ሱዳን ናይ ቐጥታ በረራ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ


ሰበስልጣን ግብፂ መገዲ ኣየር'ታ ሃገር ኣብዚ ሰሙን እዚ ብቐጥታ ናብ ሱዳን በረራ ከምዝቕጽል ኣፍሊጦም ኣለው። እዚ ዝኾነ ድሕሪ ዝርርብ ፕረዚዳንት ግብፂን ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሱዳንን እዩ። ሚንስትሪ ስቪል ኣቬሽን ግብፂ ካብ ድሕሪ ፅባሕ ዓርቢ ጀሚሩ መንገዲ ኣየር ግብፂ ካብ ካይሮ ናብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ሰሙናዊ በረራ ክጅምር እዩ ክብል ትማሊ ሰሉስ 29 ነሓሰ 2023 ምፍላጡ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ብዓብደልፋታሕ ቡርሓን ዝምራሕ ሰራዊትን ብሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይልታት ህፁፅ ወሃቢ ደገፍን ኣብ ከተማ ኻርቱምን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ግጭት ድሕሪ ምውላዑ እታ ሃገር ኣብ ዕግርግር ትርከብ።

እቲ ናይ በረራ እወጃ ዝተሰምዐ ኣብ መንጎ ጀነራል ቡርሓንን ፕረዚዳንት ዓብደል ፈታሕ ኤል-ሲሲን ዝተኻየደ ዝርርብ ድሕሪ ምዝዛሙ ድሕሪ ስዓታት እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG