ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ ኣብ ዶብ ቓዛ መንደቕ ትሃንጽን መሬት ትምድምድን ከም ዘላ ስእልታት ሳታላይት የርእይ


ስእልታት ሳታላይት ዶብ ቓዛ
ስእልታት ሳታላይት ዶብ ቓዛ

ግብጺ ኣብቲ ምስ ወሽመጥ ቓዛ ዘዳውባ ከባቢ መንደቕ ትሃንጽን መሬት ትምድምድን ከም ዘላ ስእልታት ሳታላይት የርእዮ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ እስራኤል ነታ ኣብ ዶብ ትርከብ ከተማ ራፋሕ ዓሊማ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምክያዳ ዝግበር ምድላው ምዃኑ ኣሶሼይትድ ፕረስ ጠቒሱ`ሎ።

ብዛዕባ `ቲ ህንጸት ብወግዒ ዘይተዛረበት ግብጺ፡ እስራኤል ነቶም ኣብ ከተማ ራፋሕ ተመዛቢሎም ዘለዉ ኣስታት ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ፍልስጤማውያን ብሓይሊ ከይተሰጎም ክተጠንቅቕ ጸኒሓ`ላ።

ብተወሳኺ ድማ እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ኣብ ትገብሮ ዘላ ኲናት ፡ ግብጺ ኣብ ሲናይ ትግብሮ ምቅርራብ ነቲ ኣብ 1979 ኣብ መንጎ እስራኤልን ግብጽን ዝተገብረ ውዕል ዘፍርስ ከይከውን ስግኣት ኣሕዲሩ`ሎ።

ተሪር መስመር ዝኽተል መንግስቲ እስራኤል ነቶም ፍልስጤማውያን ካብ ወሽመጥ ቓዛ ናይ ምብራር ዘሎ ተኽእሎ፡ በታ ቀንዲ መሻርኽቱ ዝኾነት ኣመሪካ ከይተረፈ ተሪር ተቓውሞ ኣስዒብሉ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG