ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ካይሮ 51 ሰባት ተቐቲሎም፤ኣማእቲ’ውን ቖሲሎም ኣለው


An injured man is brought to a makeshift hospital after Egyptian soldiers and police opened fire on supporters of the ousted President Mohammed Morsi early Monday in Cairo, Egypt, Monday, July 8 , 2013. The violence left dozens people killed outside the
An injured man is brought to a makeshift hospital after Egyptian soldiers and police opened fire on supporters of the ousted President Mohammed Morsi early Monday in Cairo, Egypt, Monday, July 8 , 2013. The violence left dozens people killed outside the
ኣብ ከተማ ካይሮ ሎማዕንቲ ሰኒ ብዝተልዓለ ህውከት 51 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ኣማእቲ ድማ ምቑሳሎም ምንስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።ሓይልታት ግብፅን ደገፍቲ ካብ ስልጣኖም ዝተባረሩ ፕሬዝዳንት መሓመድ ሞርስን እቲ ህውከት ዘልዕሎ ነንሕድ ሕዶም ይካሰሱ ኣለው።

እቲ ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ ጥቓ ዋና ቤት ፅሕፈት ‘ሪፓቢልካን ጋርድ’ ዝተፈፀመ ቶኽሲ ቅድሚ ናይ ድሕሪ ስዓት ስግዳን እዩ ጀሚሩ።ሰልፈኛታት እስልማዊ ሕውነትን ሓይልታት ግብፅን እቲ ህውከት መን ጀሚሩዎ ንዝብል ንሱ እዩ፤ባዕሉባ ክብሉ ይካሰሱ ኣለው።

ንእስላማዊ ሕውነት ዝድግፉ ሓኻይም ዶክተራት ወታደራት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ተጠቒሞም ክብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኸሲሶም።

ሓካይም ብጥይት ንዝቖሰሉ 150 ሰባት ሓዊሱ ንልዕሊ 400 ኣዝዮም ዝተጎድኡ ቑስለኛታት ኣብ ክልኒክ ከምዝሓከሙ ሓደ ሓኪም ሓቢሩ።

መንግስታዊ ቴሌቪዥን ግብፂ ሰባት ንወታደራት ብእምንን ኮንክሪትን እናጥቕዑ ብድሕሪ ግን እናተተኮሰ ኣርእያ’ላ።

ወሃብቲ ቃል እስላማዊ ሕውነት እቲ ፍፃመ ‘’ ጭፍጨፋ’’ኢሎምዎ ኣለው። መግለፂ ወታደራዊ ሓይልታት ግን ‘’ናይ ሽብር መጥቓዕቲ’’ ተፈፂሙ ይብል።

ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ኣሕመድ መሓመድ ዓሊ ወታደራት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ቶኽሲ መጥቓዕቲ ምስኣተው እዮም ቶኽሲ ዝኸፈቱ ይብሉ።ነቲ ህንፃ ንምውራር ብዝፍትኑ ኣኽረርቲ እዩ ተፈፂሙ ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

መሓመድ ኢብራሂም ዝተብሃለ ዝቖሰለ ወታደር ንሱን ካልኦት ወታደራትን ንናይ ህዝቢ ደሕንነት ንምርግጋፅ ኣብኡ ከምዝነበሩ ብምግላፅ እንተኾነ ግን ናይ ጥይት፣ናይ ሓዊ ቦምብ ከምኡ’ውን ብናይ እምኒ ጡብ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀሞምን መሳርሕቱ ከምዝቖሰሉ ሓቢሩ።

ናይ ግብፂ ናይ ስግግር ፕሬዝዳንት ኣድሊ ማንሱር ነቲ ፍፃመ ዝምርምር ሓደ ኮሚቴ ሎማዕንቲ ምጥያሾም ተገሊፁ’ሎ።እቶም ፕሬዝዳንት ኩሎም ሓይልታት ካብ ህውከት ክዕቀቡ ፀዊዖም።ዝወፀ ፕሬዝዳንታዊ መግለፂ በቲ ህውከት ኣዝዩ ምሕዛኑን እንተኾነ ግን እቲ ቶኽሲ ዝተፈፀመ ንዋና ቤት ፅሕፈት ሪፓብሊካን ጋርድ ንምውራር ኣብዝተፈተነሉ እዋን እዩ ይብል።

እቲ ናይ ሎማዕንቲ ህውከት መሰጋገሪ መንግስቲ ንምጥያሽ ንዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ብዝበለፀ ዘተዓናቕፍ እዩ።ፍፁም ዓቃባዊ ፓርቲ ሳላፊ ኑር ጭፍጨፋ ስለዝተፈፀመ ሓድሽ መንግስቲ ንምጥያሽ ካብ ዝካየድ ዝርርብ ስሒበ ኣለኹ ኢሉ’ሎ።

ብወታደራዊ ሓይልታት ኣብ ዝካየድ ምጥያሽ ናይ ስግግር መንግስቲ ክሳተፉ ትፅቢት ይገበረሎን ዝነበሩ ዋና ኢማም ዓብዪ መስጊድ ኣል-ኣህዛር ኣሕመድ ኤል- ታይብ ደም ዘፍሰሱ ብሓላፍነት ክሳብ ዝሕተቱ ኣይሳተፍን ኢሎም ኣለው።

ንለውጢ ዝድግፉ ናይ ሰላም ተሸላሚ መሓመድ ኤልባራዳይ ነቲ ህውከት ዝኹንን ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብምሕላፍ እቲ እንኮ መንገዲ ሰላማዊ ስግግር እዩ ኢሎም።

እስላማዊ ሕውነት ነቲ ለውጢ ብታንኪ ክሰርቑ ኣብ ልዕሊ ዝፍትኑ ዓመፅ ክካየድ ፀዊዑ’ሎ።
ኣብዚ ኣብ ዋሽንገተን ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ብዛዕባ እቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሻቐሎቶም ደጊሞም ገሊፆም ኣለው።ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ግብፂ ንዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ፓርቲ ወይ ጉጅለ ኣይትድግፍን ክብሉ እውን ደጊሞም ኣረጋጊፆም።
XS
SM
MD
LG