ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህውከት ግብፂ ሎሚ‘ውን ቀፂሉ ውዒሉ


 ኣብ‘ቲ ህውከት ዝተባረዐት መኪና
ኣብ‘ቲ ህውከት ዝተባረዐት መኪና
ዝያዳ ስልጣን ንክህልዎም ዘኽእል ሓድሽ ሕጊ ድሕሪ ምሕላፎም ተቃውሞ ዘጋጠሞም ፕረዚደንት ግብፂ መሓመድ ሞርሲ፣ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ተቃውሞ እንተቀፀለ‘ውን፣ንገለ ዘሕለፍዎ ውሳነ ከምዘይገድፉ ገሊፆም።

ኣብ ጥቃ‘ቲ ኣደባባይ ዝሰፈሩ ኣኽበርቲ ሕጊ፣ዘንብዕ ጋዝ ክትኩሱ ከለው፣ተቃወምቲ ድማ ብዳርባ እምኒ መልሰ-ግብሪ ሂቦም።ከምመሓመድ የሱፍ ዝበሉ ተቃወምቲ ግና፣ደጊም ይኣክል ዝብል ጭርሖ የጋውሑ፥

ንኣዋጅን ስርዓትን ሙርሲ ክንስዕር ኢና ኣብ‘ዚ ንርከብ ዘለና።ክሳብ ሎሚ ዝፈፀሞ ዋላ ሓንቲ ቁምነገር የለን‘ዩ ዝብል ንሱ።

ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር በዝሒ ዝወፁ ተቃወምቲ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናሓየለ ከምዝኸይድ ትፅቢት ኣሎ።ደገፍቲ ፕረዚደንት ሙርሲ ናይ ገዛእ ርእሶም ሰልፊ ናይ ድጋፍ ክህልዎም‘ውን ፀዊዖም‘ለው።
XS
SM
MD
LG