ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን ንጉዳይ’ታ ሃገር ብዝምልከት ኣብ ግብጺ ኣኼባ የካይዱ


ጎረባብቲ ሱዳን ዝኾና ሽዱሽተ ሃገራት ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ፍታሕ ንምንዳይ ሎሚ ሓሙስ 13 ሓምለ 2023 ዝጅመር ዘተ ኣብ ካይሮ ግብጺ የካይዳ ኣለዋ።

ኣብቲ ብፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ ዝተዳለወ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጫድን ሪፖብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ይሳተፉ ኣለው።

ኣብ መንጎ ክልተ ወታሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን ግጭት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ዝለዓል ብመራሕቲ ሃገራት'ቲ ዞባ ዘተ ክካየድ እዚ ፈላማይ'ዩ።

ሚንስትሪ ጥዕና ሱዳን ዝሓለፈ ወርሒ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ግጭት ካብ ዝውላዕ ኣስታት 3,000 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 6,000 ቆሲሎም ካልኦት ልዕሊ 2.4 ሚልዮን ድማ ካብ መንበሪኦም ምምዝባሎም ሓቢሩ’ሎ።

እዚ ኣብ ከተማ ካይሮ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኣብ ከተማ ጀዳ ስዑዲ ዓረብ ተፃብኦ ጠጠው ንምባል ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝተሸምገለ ዘተ ብኽልቲኦም ወገናት ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምፍሻሉ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG