ዋሽንግተን —
ሰብ-መዚ ግብጺ፡ 31 በጻሕቲን 14 ሰራሕተኛታትን ዝሓዘት ናይ መዛናግዒት ጃልባ (ያት) ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ብዘጋጠማ ሓደጋ ድሕሪ ምግልባጣ፡ ደሃይ’ቶም 17 ሰባት ከም ዛጊት ከም ዘይተረኽበ ኣፍሊጦም። ካብ መንጎ ተሳፈርቲ እታ ጃልባን ሰራሕተኛታትን ዝርከቦም ግን 28 ሎሚ ሰኑይ ከም ዝደሓኑ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ንሰብ-መዚ እታ ሃገር ብምጥቃስ ይሕብር።
እታ ትማሊ ሰንበት ናብ ወደብ ጋሊብ ናይ ደቡባዊ ምብራቕ ግብጺ ዝነቐለት ናይ መዘናግዒ ጃልባ፡ ናብቲ ቀንዲ መስሕብ ቱሪዝም ዝዀነ ዞባ’ያ ተምርሕ ነይራ። ሰበ-ስልጣን ግብጺ ካብ መንጎ’ቶም ግዳያት ሓደጋ ዜጋታት ወጻኢ ከም ዘለዉ ጠቒሶም ኣለዉ። ዝርዝር ናይቶም ደሃዮም ዘየሎ ግን ዛጊት ወግዓዊ ኣይገበሩን። መስርሕ ድልያ ይቕጽል ምህላዉ እቲ ዜና ይጠቅስ።
ቅጥዒ