ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስለስተ ኣቕሽቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ግብጺ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተቐቲሎም


ከተማ ጆሃንስበርግ- ፋይል
ከተማ ጆሃንስበርግ- ፋይል

ስለስተ ኣቕሽቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ግብጺ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተቐቲሎም።ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቶም ገበነኛታት ኣብ ምድላይ ከም ዝርከብ ሮይተርስ ሓቢሩ`ሎ።

ምኽንያት`ቲ ቕትለት ፖሊስ ገና ክፈልጦ ኣይክኣለን። ሰለስቲኦም ብካራ ዝተቐተሉ ክኾኑ ከለዉ፡ ራብዓዮም ብሓጺን ተሃሪሙ ግን ኣይሞተን።

እቶም ገበነኛታት ነቲ ገበን ፈጺሞም ዝኾነ ንብረት ዘይምዝራፎም ድማ ንፖሊስ ዘገረመ ምስጢር ኮይንዎም ኣሎ።

መርመራ ቀጺሉ ከምዘሎን ኣብ ጆሃንስበርግ ዝርከብ ኤምባሲ ግብጺ`ውን ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ከምዘሓበረ ሮይተርስ ይገልጽ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ካብ መንጎ ዝለዓለ ገበናት ዝፍጸመለን ሃገራት ሓንቲ ክትከውን ከላ ብፍላይ ብብረት ዝግበር ስርቂ ዝውቱር`ዩ።

ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ብድሕሪ’ቲ ትማሊ ዘጓነፈ ቅትለት ኣቕሽሽቲ፡ ኣብቲ ጉዳይ ንዝተጠርጠረ ወዲ 35 ዓመት ዜጋ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓሎ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ'ሎ። ፖሊስ ብዛዕባ ድፍኢት እቲ ቅትለት ዛጊት መግለጺ ኣይሃበን። ጥርጡር ግን ጽባሕ ኣብ ቤት ፍርዲ ንፈላማይ ከይዲ ምስማዕ ክግበረሉ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG