ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ኣብ ቱርኪየ ይበጽሑ


ምብጻሕ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ቱርኪዬ
ምብጻሕ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ቱርኪዬ

ፕረዚደንት ግብፂ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ ምስ ፕረዚደንት ቱርኪየ ጠይብ ኤርዶዋን ንምዝርራብ ሎሚ ረቡዕ ኣንካራ ኣትዮም። እዚ ኣብ መንጎ ሓይልታት ናይቲ ዞባ ንነዊሕ እዋን ዝሒሉ ዝፀንሐ ርክብ ንምህናፅ ኣብ ውሽጢ 12 ዓመታት ንመጀምርታ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ዑደት ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይሕብር።

ኤርዶዋን ነቲ ንዓሰርተ ዓመታት ውጥረት ዝሰፈኖ ርክብ ዳግም ንምህናፅ ዓብይ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ካይሮ ፈላማይ ዑደት ምፍጻሞም ይዝከር።

ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ 2013 ሽዑ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበሩ ኣል-ሲሲ ንመሓዛ ቱርኪየ ዝነበሩ መራሒ እስላማዊ ሕውነትን ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመረፁ ፈላማይ ፕረዚደንትን ግብጺ መሓመድ ሙርሲ ካብ ስልጣኖም ድሕሪ ምእላዮም ሓርፊፉ'ዩ ጸኒሑ።

ኮሚኒኬሽን ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት ቱርኪየ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "ርክባት ቱርኪየን ግብፅን ኣብ ኹሉ መዳያት ክምርመርን ብቀፃልነት ዝመሓየሸሉ ሓባራዊ ስጉምትታት ንምውሳድ ምይይጥ ክካየደሎም እዩ’’ ኢሉ።

ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ክመሓየሽ ዝጀመረ ኣንካራ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ስዑዲ ዓረብን ግብፂን ዝነበራ ዞባዊ ወጥሪ ንምህዳእ ኣብ 2020 ዲፕሎማሲያዊ ወፍሪ ድሕሪ ምጅማራ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG