ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝቢ ግብፂ ንኻልኣይ ማዕልቲ ረፈረንደም ከድምፅ ውዒሉ


Шевченко: ПроРОК Свободи
Шевченко: ПроРОК Свободи
ሰበ ስልጣን ግብፂ ንኻልኣይ ማዕልቲ ይካየድ ኣብ ዘሎ ሕገ መንግስታዊ ረፈረንደም ህዝቢ በብዝሒ ወፂኡ ድምፁ ንኽህብ ይደፍኡ ኣለው።

ግብፃዊያን ድምፆም ንኽህቡ ብዝፅውዑ ፅሑፋት ዝተሸፈና መኻይን ኣብ ጎደናትታ ስዊስዝ ካናልን ኢስማይሊያን ሕገ መንግስታዊ ረፈረንደም ንኽካይድ ኣብዝፅውዕ ምርኢት ጥሩምባ ይነፍሓ።ሰባት ድምፆም ንኽህቡ ደገፍቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣበርቲዖም እናደፍኡ እዮም።
ወግዓዊ ዘይኮኑ መለክዒታት ብመሰረት ዝበልቶም Sky News Arabia ዝተብሃለት ቻነል ኣብ ናይ ትማሊ ሰሉስ ፈላማይ ምሃብ ድምፂ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ግብፂ ካይሮን ኣሌግዛንደሪያን 46 ሚእታዊ ድምፂ ሂቡ’ሎ።ኣብ ካልኦት ከተማታት ብመሰረት እታ ናይ ቴሌቪዥን ቻናል ኣብ ዳሚየታ 50 ሚእታዊ፣ኣብ ሻርቂያ 40 ሚእታዊ፣ኣብ ኣሱት፣ጋርቢያን ኢስማኢሊያን ድማ 35 ሚእታዊ ኣድሚፁ’ሎ።ፁኑዕ ትሕዝቶታት እስላማዊ ሕውነት ኣብ ዝኾና ከተማታት ሉክሰርን ሰሜን ሲናይን ግን ትሑት ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

መንግስታዊ ቴሌቪዥን ግብፅን ፍሉጣት ደገፍቲ መንግስትን ዝኾነ ናይ ሳተላይት ቻነላት ግብፃዊያን ‘’እወ’’ ኢሎም ንኸድምፁ ዝፅውዕ መልእኽቲ የሕልፋ።ንዝታገደ እሳላማዊ ሕውነት ዝድግፋ መብዛሕቲአን ናይ ሳተላይት ቻነላት ተዓፂየን ኣለዋ።Al Jazeera Direct ግን መጠን ከድምፅ ናይ ዝወፀ ህዝቢ ውሑድ እዩ ክትብል ፀብፂባ’ላ።እስላማዊ ሕውነትን ካልኦት ዝተወሰኑ ፓርትትታን ህዝቢ ነቲ ምርጫ ክሕሰሞ ፀዊዖም ኣለው።

ናይ ግብፂ ናይ ስግግር ቀዳማይ ምንስቴር ሓዘም ኤል-ቤብላዊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ቁፅሪ ከድምፃ ዝወፃ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዒትዮ ዝበዝሓ እየን።90 ሚሊዮን ካብ ዝፅጋዕ ህዝቢ ግብፂ 52 ሚሊዮን ከድምፅ ዝኽእል እዩ።ቀዳማይ ምንስቴር በብላዊ በቲ ዝወፀ መጠን ህዝቢ ዕጉብ እዮም።

ኣብቲ ፈላማይ ማዕልቲ ቁፅሪ ኣድመፅቲ ደቂ ኣንስትዮን ብዕድመ ዝደፍኡን ዝለዓለ እዩ።ኣብዝተኻየደ መባእታዊ መፅናዕቲ 55 ሚእታዊ ደቂ ኣንስትዮን 45 ድማ ደቂ ተባዕቲዮን ኣድሚፆም ኣለው ኢሎም ንሶም።እቲ ህዝቢ ብከምዚ ምውፅኡ ግብፃዊያን መፃኢ ዕድል ሃገሮም ኣብ ኢዶም ከእትው ምድላዮም ንዓለም ንምርኣይ እዩ ኢሎም ኣስዒቦም።
እቲ ሕገ መንግስታዊ ረፈረንደም ተቐባልነት እንተድኣ ሪኺቡ ሓድሽ ፕሬዝዳንታውን ፓርላመንታውን ምርጫ ክካየድ እዩ።

ፀጥታ ንምጥንኻር ፖሊስን ወታደርን እታ ሃገር ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ተዋፊሮም ኣለው።ኣብ ናይ ትማሊ ሰሉስ ምሃብ ድምፂ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን መሓመድ ሞርሲ ብዝተልዓለ ግጭት ልዕሊ 10 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ኣብ እዋን ፕሬዝዳንትነት መሓመድ ሞርሲ ኣብ 2012 ኣ/ፈ ንዝፀደቐ ቻርተር ዝትክእ እዩ።ንእስላማዊ ቛንቛ ፍሒቑ፣ንደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ነፃነት ሰራዊት እታ ሃገር ድማ ስልጣኑ ዘጠናኽርን እውን እዩ።
XS
SM
MD
LG