ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብፃዊያን ሎማዕንቲ’ውን ተጋጪዮም


Riot police set fire to tents pitched by anti-Mursi demonstrators at Tahrir Square in Cairo January 25, 2013.
Riot police set fire to tents pitched by anti-Mursi demonstrators at Tahrir Square in Cairo January 25, 2013.
ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት መሓመድ ሞርሲ ኣብተን ብፀረ መንግስቲ ዓመፅ ዝተጠቕዓ ስለስተ ክፈልግዝኣታት ን30 ማዕልታት ዝፀንሕ ህፁፅ ኣዋጅ ምስኣወጁ ተቓወምቲ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ሎማዕንቲ ሰኒ ተግጪዮም።

ፕሬዝዳንት ሞርሲ ሰበስልጣን ፖርት ሰይድ፣ኢስማይሊያን ስዊስዝን ካብ ሎማዕንቲ ሰኒ ጀሚሮም ህፁፅ ስጉምትታትን ስዓት እቶ እቶን ንኽእውጁ ትማሊ ሰንበት ነታ ሃገር ብቴለቪዥን ኣብዘስምዕዎ መደረ ገሊፆም።

ሎማዕንቲ ሰኒ ሃገራዊ ዝርርብ ንኽግበር ንጉጅለታት ተቓወምትን ፖለቲከኛታትን ተማሕፂኖም ኣለው እቶም ፕሬዝዳንት።ናሽናል ሳልቨሽን ፍሮንት ዝተብሃለ ቀንዲ ተቓዋሚ ፓርቲ ግን እቲ ፃውዒት ቅኑዕ ኣይኮነን ክብል ኣብቲ ዝርርብ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ’ሎ።

ካልኦት ተቓወምቲ’ውን ቀፃሊ ምፍሳስ ደም ኣብዝካየደሉ ዘሎ ኣይንሳተፍን ይብሉ ኣለው ትብል ወኪልና ኤልዛቤት ኣሮት።

እቲ ህውከት ኣብዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝልዓል ጀሚሩ ናብ 50 ዝፅግዑ ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።
XS
SM
MD
LG