ኣብ ማእኸል ካይሮ ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክ ካብ ስልጣኖም ንኸውርዱ ዝፅውዕ ዓብይ ሰልፍ ተኻይዱ። ኣብቲ ህዝባዊ ዓመፅ ክሳተፋ ዝወሰኑ ግብፃውያን ሎሚ ሰሉስ ብኣእጋሮም’ዮም ናብ ኣደባባይ ታሕሪር ክውሕዙ ዊዒሎም። ህፃናት ዝሓቆፋ ኣደታት’ውን ኣብቲ ናይ ሎሚ ሰልፊ ተሳቲፈን።
ሰራዊት’ታ ሃገር እቲ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ሕጋዊ ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊኦም ከምዘይተኩስ ዝሕብር ወግዓዊ መግለፂ ድሕሪ ምውፅኡ እቶም ሰልፈኛታት ዝያዳ ሓይሊ ረኺቦም’ለው።