ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ግብጺ፡ ኣዋጅ ሕላፍ ሰዓት ምስማዕ ዝኣበዩ ኣድመኛታት ናዕቢ ቐጺሎም ኣለዉ


ሓዲሽ ፕረዘደንት`ታ ሃገር፡ ምውራድ ሙባረክ፡ ዝያዳ ሕንፍሽፍሽ`ዩ ዝዕድም ብምባል ነጺጎሞ`ለዉ፡ ግን ሕቶ ተቓወምቲ ንምምላስ ኣብ መስርሕ ኢና ዘለና ኢሎም

ጸጥታ ግብጺ እናበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ተቓወምትን ደገፍትን ሙባረክ ብደናጉላ፡ ብኣባትርን፡ ብነበልባል ሓውን ክኳሳተሩ ሓዲሮምን ውዒሎምን።ሓይልታት ጸጥታ ድማ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከካይዱ ጀሚሮም ኣለዉ።

ደገፍቲ ሙባረክ ሕጂ መጥቃዕቶም ናብ ጋዘጠኛታት-ወጻኢ ኣዚሮም ኣለዉ። ዓጉጎም ክጎናንጽዎምን ክጸርፍዎምን ጀሚሮም።

ንቪኦኤ ዝተዛረበ ሓደ ተቓዋሚ ናብ ኣደባባይ ታሕሪር ከምዝምለስ ይሕንሕን፡ “ንሕና ግብጻውያን ኢና፡ ተባዕ ሓሞት ዘለና ኢና፡ ን30 ዓመት ዝሰኣናዮ ናጽነት ክነምልሶ ኣለና”

ዩ.ኤስን ኻልኦት ሃገራትን ዜጋታተን ካብ ግብጺ የውጽኣ`ለዋ፡ ኸምኡ`ውን ሕቡራት ሃገራት ሰራሕተኛታቱ ይውጽእ ኣሎ።

ንምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቕ።

XS
SM
MD
LG