ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ግብፂ ስልጣን ተረከቡኒ ኢሎም


Prime Minister Hazem Beblawi
Prime Minister Hazem Beblawi
ቁጠባዊ ፀቅጢን ተቃውሞ ሸቃሎን ዘጓነፎም ጊዚያዊ ቀ/ሚ ግብፂ ሃዚም ኢል-ቢብላዊ፣ካብ ስልጣኖም ወሪደ‘ለኹ ኢሎም።

ጊዚያዊ ቀ/ሚ ሓዚም ኢል-ቢልባዊ ብቴሌቭዥን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ዘሕለፍዎ ጊዜ መሪሕነት፣ፅንኩር ግን ሳላ ተፀዋርነት ምንስቴራቶም ከምዝተሰገረ ሓቢሮም።

”ለውጢ ናይ ምርግጋፅ ስራሕ፣ሓላፍነት ኩሎም ግብፃውያን‘ዩ።መንግስቲ ክንዲ ዝኻኣሎ ይስራሕ፣በይኑ ለውጢ ከምፅእ ኣይኽእልን።ህዝቢ‘ዩ ምንጪ ስልጣን‘ዩ።ስለዝኾነ ነብስ-ወከፍ ዜጋ ንሃገራዊ ረብሓ‘ምበር ንውልቃዊ ረብሓ ኣይኮነን ክነጥፍ ዝግባእ” ኢሎም።

ጊዚያዊ ፕረዚደንት ኣድልይ ማንሱር ግና እቶም ስልጣኖም ዘረከቡ ጊዚያዊ ቀ/ሚ ክሳብ ተተካኣይ ቀ/ሚ ዝምዘዝ ኣብ ስርሖም ክፀንሑ ሓቶቶም‘ለው።

ምንስትር መከላኸሊ ግብፂ ዓብደል ፈታሕ ኣል-ሲሲ ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር መእንታን ክወዳደር ተባሂሉ ናይ ካቢነ ብወዛ ክግበር‘ዩ ዝብል ትፅቢት ፀኒሑ‘ዩ ኣብ ግብፂ።

ፖለቲካ ማሕበረ-ሰብ ዘምህርን ዝትንትንን ሰይድ ሳድቅ፣ምብታን ኣባላት ካቢነ፣ንኣል-ሲሲ ኣድልዪ እንተኾይኑ ንክወዳደር ዕድል ዝፈጥረሉ‘ዩ ይብል፣

”ሲሲ ኣባል ካቢነ ኮይኑ እንተቀፂሉ፣ኣይወዳደርን ማለት‘ዩ።ነዚ ዕድል ተጠቂሙ ካብ ካቢነ እንተወሪዱ ግና ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ክሳተፍ‘ዩ ማለት‘ዩ” ባሃላይ‘ዩ ንሱ።

እዚ ከም‘ዚ‘ሉ ከሎ፣ብኣርባዕተ ዓይነት ክስታት ኣብ ቤት ፍርዲ ዝዋዓሉ ፕረዚደንት-ነበር መሓመድ ሙርሲ፣ድሕሪ‘ቲ መጋባእያ ብሄሊኮፕተር ናብ ዘይተነፀረ ስፍራ ከምዝተወሰዱ ተገሊፁ።
XS
SM
MD
LG