ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብፃዊያን ፕሬዝዳንቶም ንምምራፅ ከድምፁ ውዒሎም


Presidential hopeful Abdel-Fattah el-Sissi arrives to a polling site to cast his ballot on the first day of voting in Cairo, Egypt, May 26, 2014.
Presidential hopeful Abdel-Fattah el-Sissi arrives to a polling site to cast his ballot on the first day of voting in Cairo, Egypt, May 26, 2014.
ግብፃዊያን ቀፃሊ ፕሬዝዳንቶም ንምምራፅ ድምፂ ክህቡ ውዒሎም።እቲ ምሃብ ድምፂ ፅባሕ እውን ክቕፅል እዩ።ፀጥታ ንምሕላው ልዕሊ 400 ሽሕ ፖሊሳትን ወታደራትን ግብፂ ተዋፊሮም።ልዕሊ 14 ሽሕ ዳያኑ፣ኣማእቲ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ንዝርከቡ መውሃቢ ድምፅታት ንምዕዛብ ተዋፊሮም ኣለው።

ሓድሽ ፕሮዝዳንቶም ንምምራፅ ሎማዕንቲ ሰኒ ድምፆም ይህቡ ዝነበሩ እቶም ዝበዝሑ ብታሕጓስ ነይሮም።ንሃገሮምን ኣብዚ ምርጫ ክስዕሩ ትፅቢት ንዝገበረሎም ንናይ ቀደም ኣዛዚ ሰራዊት ግብፂ ዓብድል ፋታሕ ኤል-ሲሲን ብምሙጓስ ይጭድሩ።

ወሃብቲ ድምፂ እቲ ከይዲ ፅፉፍ ክኸውን ተስፍኦም ይገልፁ።
ኣቐዲሞም ድምፆም ዝሃቡ ሲሲ ግብፃዊያን ናይ ባዕሎም ታሪኽ ክፅሕፉ እዮም ወፂኦም ዘለው ኢሎምም።

ልዕሊ 400 ሽሕ ሓይልታት ፀጥታን ወታደራትን ምውፋሮም ወጥሪ ምህላው እዩ ዘርኢ።
Sky News Arabia ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ኣባላት ናይ ዝተኣገደ እስላማዊ ሕውነት ኣብ ከባቢ ሰሜን ካይሮ ማኑፊያ ነቲ ምርጫ ንምህዋኽ ፈቲኖም ብፖሊስ ተኣሲሮም ክትብ ፀብፂባ’ላ።
እቲ ምሃብ ድምፂ ብፅቡቕ ይካየድ ኣሎ ክብሉ ናይ ወፃኢ ተዓዘብቲ ሎማዕንቲ ሰኒ ተዛሪቦም።
ካብ 90 ሚሊዮን ህዝቢ ግብፂ 54 ሚሊዮን ከድምፁ ይኽእሉ።
እቲ ምሃብ ድምፂ ፅባሕ ሰሉስ ምሸት ክዕፆ እዩ።
XS
SM
MD
LG