ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብፃዊያን ፕሬዝዳንቶም ንምምራፅ ድምፆም ክህቡ ውዒሎም


12 ተናሓናሕቲ ይወዳደሩ ኣለው

ግብፃዊያን መን ከምዝስዕር ኣቐዲሞም ከይፈለጡ ሎሚ ንፈለማ ግዜ ፕሬዝዳንቶም ንምምራፅ ከድምፁ ውዒሎም ኣለው።ታሕጛስ መረፅቲ ዝለዓለ እዩ።ንምድማፅ ኣብ ነዊሕ ሪጋ ተሰሪዖም ንሰዓታት ክፅበዩ ውዒሎም ኣለው።

ኖሃ ከማል ዝተብሃለት መራፂት ድምፃ ዋጋ ረኺቡ ንምድማፅ ምውፅኣ ሕጉስቲ እያ።ንሳ ከምዚ ድምፃ ክትህብ ንፈለማ ግዜና እዩ ትብል።

ድሕሪ ናይ ዓሰረተታት ዓመታት ፕሬዝዳንትነት ሆሲን ሙባረክ ሕዚ 12 ተነሓናሕቲ ነቲ ስልጣን ይወዳደሩ ኣለው።

ብመሰረት ኣሃዛዊ መዐቀኒ ሪኢቶ ህዝቢ ኣርባዕተ ቀንዲ ተወዳደርቲ ኣለው።ክልተ እስላማዊይን ማለት’ውን ናይ ሙስሊም ብራዘር ሁድ መሓመድ ሞርሲን ብውልቂ ዝወዳደሩ ዓብደል ሞነይም ኣባውልን ፎታሕን ከምኡ’ውን ነባር ዲፕሎማሰኛ ኣሚር ሙሳን ኣዛዚ ሓይሊ እየር እታ ሃገር ዝነበሩ ኣሕመድ ሻፊቕን እዮም።ተኸታሊ ሶሻሊስታዊ ሪእዮተ ኣለም ዝኾኑ ሓምዲን ሳባሒ እውን ኣብ ቀረባ ብዝተኻየደ ምትእኽኻብ ሪኢቶ ህዝቢ ተቐባልንቶም እናዓበይ ይኸድ ኣሎ።

ሃይማኖት ንመብዛሕቲኦም ቀንዲ ጉዳይ ወፍሪ ከይኑ’ሎ።ተምሃሪት ዩኒቸርስቲ ካይሮ ዝኾነት ሃዋይዳ ማግዲ ግን እቲ ቀንዲ ጉዳይ ካሊእ ክኸውን ትምነ።

ንሳ ሙስሊም ምዃናኝ እንተኾነ ኣብ ፖለቲካ ከም እተተኩር ትዛረብ።ሃማኖት ትብል ንሳ ናይ ኩሉ ሰብ ውልቃዊ ምርጫ እዩ።ንፖለቲከኛታት እንምዝነሉ ኣገባብ ክኸውን የብሉን ትብል።

ካልኦት ኣገደሰቲ ዛዕባታት ኣለው።ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ምንክልባትን ገበናትን ኣብዝቐፀለሉ እዋን ኣብ ሽግር ዝርከብ ቁጠባን ፀጥታን እታ ሃገር ቁልፊ ጉዳያት እዮም።ልዕልነት ሕጊ ናብዝነበሮ ንኽምለስ ሙሳን ሻፊቕን ኣብ እዋን ወፍሮም ኣፅንኦት ዝሃብሎም መልእኽታት እዮም።

ንህይውማን ራይትስ ዎች መፅናዕቲ እተካይድ ሃባ ሞራየፍ ግን እቲ ኣገዳሲ ነገር ሰባት ኣብ ውፅኢት እቲ ምርጫ እምነት እንተሓዲሩዎም እዩ ትብል።

XS
SM
MD
LG