ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ግብጺ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ኣብ ቤይጂንግ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም


ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ኣብታ ሃገር ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት የካይዱ ንዘለው ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቤጂንግ ተቀቢሎሞም። ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ቤይጂንግ ንዝካየድ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ሃገራት ዓረብን ንምስታፍ ናብ ቻይና ምምርሖም ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ ጉዳይ ኵናት እስራኤልን ሓማስን "ሓባራዊ ድምጺ" ዝበልዎ መርገጺ ንምሓዝን ከምኡ'ውን ምትሕብባር ንምምሕያሽን ሓያለ መራሕቲ ዓረብ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ቻይና ምብጻሕ የካይዱ ኣለው።

ሺ ዢንፒንግ ሎሚ ድሕሪ ቅትሪ ካብ ቤይጂንግ ውጽእ ኣብ ዝበለ ዓብይ ኣደራሽ ንፕረ.ኣልሲሲ ብሃገራዊ መዝሙራት ክልቲኣተን ሃገራት ዝተሰነየ ድሙቅ ኣቀባብላ ከምዝግበርሎም መንግስታዊ መሓውራት ዜና ቻይና ኣርእዩ'ሎ።

ግብጺ ብወገና ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልቲኣዊ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ከምዝመያየጡ ገሊጻ'ላ። ቻይና ኣብ ቀረባ ዓመታት ምስ ሃገራት ዓረብ ዝምድናኣ ንምሕያል ትጽዕር'ላ። ቻይና ኣብ መንጎ ስዑዲ-ዓረብን ኢራንን ንነዊሕ ንዝጸንሐ ምትፍናን ኣብ ምፍትሑ እውን መንጎኛ ምንባራ ይዝከር ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG