ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብፃውያን፣ኣብ ቀጥታ ፈነወ ቴሌቭዥን፣ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ዝበልዎ


Renaissance Dam
Renaissance Dam
ግብፃውያን ፖለቲካውያን፣ከይፈለጡ ብቴሌቭዥን ብቀጥታ ኣብ ዝተፈነወ ኣኼባ፣ንህንፀት ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ ንምትዕንቃፍ ውዲት ዝፍፀመሉ ኣገባባት ኣሚሞም።

ኣማኻሪት‘ቶም ፕረዚደንት፣እቲ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ዝተካየደ ኣኼባ ብቀጥታ ቴሌቭዥን ይፍኖ ከምዝነበረ ነቶም ፖለቲካውያን ኣቀዲምካ ብዘይምግላፅና፣ይቅሬታ ሓቲታ‘ላ።

ፓኪናን ኣል-ሸርካዊ ሓጋዚት‘ቶም ፕረዚደንት’ያ ኣብ ትዊተር ከምዝገለፀቶ፣ ብምኽንያት ኣገዳስነት‘ቲ ጉዳይ፣እቲ ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ደቃይቅ ብቀጥታ ቴሌቭዥን ንክፍኖ ከምዝተወነ ጠቂሳ።

ኣብ‘ቲ ትማሊ ሶኒ ምስ ፕረዚደንት ሙርሲ ዝተካየደ ኣኼባ፣መራሒ እስላማዊ ፓርቲ የኑስ ማሃዩን ”ግብፂ ንደባይ ተዋጋእቲ ኢትዮዽያ ክትሕግዝን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ፀቅጢ ክትፈጥርን ኣለዎ” ኢሎም።

ልዙብ ፖለቲከኛ ዝባሃሉ ኣይማን ኑር ብወገኖም “ግብፂ ደብዳብ ትፍፅመለን ነፈርቲ ትዕድግ‘ላ ዝብል ወረ ይቃላሕ” ይብሉ።

ኣሶሴትድ ፕረስ፣ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ብዛዕባ‘ቶም ኣብ‘ቲ ኣኼባ ዝተባሃለ ብቀጥታ ሪኢቶ ኣይሃቡን፣እንተኾነ፣ግብፂ ካብ ናይል ትረኽቦ ብፅሒት ብጠንቂ ግድብ ኣባይ ክንኪ ከምዘይፈቅዱ ግና ጠቂሶም‘ዮም ይብ።
XS
SM
MD
LG