ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ግብፂ ላዕለዎት መራሕቲ እስላማዊ ሕውነት ንኽእሰሩ ትእዛዝ ወፂኡ


ናይ ግብፂ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ላዕለዎት መራሕቲ እስላምዊ ሕውነት ንኽእሰሩ ኣዚዞም።ናይታ ሃገር መሰጋገሪ ቀዳማይ ምንስቴር ሓድሽ መንግስቲ ንምጥያሽ ምስዝተፈላለዩ ጉጅለታት ይራኸቡ ኣለው።ግብፃዊያን ናይ ሙስሊም ፆም ረመዳን ብምጅማሮም ግን ናይ ጎደናታት ተቓውሞ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣዝዩ ቐኒሱ።

ናይ ግብፂ ናይ ስግግር ቀዳማይ ምንስቴር ኮይኖም ዝተሸሙ ሃዚም ኤል-ቤብላዊ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ሎማዕንቲ ረቡዕ ምስ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ተራኺቦም።እስላማዊያንን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝተብሃለ ውድብን ግን ሕገ መንግስቲ ንምምሕያሽ ሓዊሱ ዴሞክራሲ ዳግም ንኽትከል ንዝቐረበ ውጥን ተቓዊሞምዎ።

ወሃቢ ቃል ናይ ስግግር ፕሬዝዳንት ኣድሊ ማንሱር እስላማዊ ሕውነትን ናይ ፍትሒ ፓርትን ከምኡ’ውን ሳላፊ ኑር ፓርቲ ኣብቲ ሓድሽ መንግስቲ ስልጣን ክቐርበሎም እዩ ኢሎም።
ላዕለዋይ መራሒ እስልማዊ ሕውነት መሓመድ ከማል ጉጅልኦም ኣብቲ ሓድሽ መንግስቲ ከምዘይሳተፍ ገሊፆም።ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ገሃድ ኤ-ሃዳድ እውን ምትእምማን የለን ኢሎም።’’ፕሬዝዳንታዊ ይኹን ፓርላመንታዊ ምርጫ መዓስ ከምዝካየድ ቑርፅ ዝበለ ዕለት ኣየፍለጡን።ዝኾነ ይኹን ሰብ ድሕሪ ሕዚ ከመይ ገይሩ እዩ ክኣምኖም?’’

ካሊእ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ እስላማዊ ሕውነት ኢሳም ኤል-ኢሪያን ዝተባረሩ ፕሬዝዳንት መሓመድ ሞርሲ ናብ ስልጣኖም ንኽምለሱ ሓቲቶም።

ሓድሽ ዝተሸሙ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሒሻም ባራካት ላዕለዋይ መራሒ እስላማዊ ሕውነት መሓመድ ባዲ፣ኢሳም ኤል-ኤሪያንን መሓመድ ባልታጊን ንኽእሰሩ ትእዛዝ ሂቦም።ዝሓለፈ ሰኒ ኣብ ከተማ ካይሮ ምስ ዝተኻየደ ቶኽሲ ብዝተኣሳሰረ ን260 ደገፍቲ እስልማዊ ሕውነት ንሕቶ ከምዝኣሰርዎም ሰበስልጣን ገሊፆም።

ምስ ምጅማር ፆም ረመዳን መብዛሕቲኦም ደገፍቲ ካይሮ ካብ ዝርከብ ሮውባ ኣዳዊያ መስጊድ ወፂኦም ኣለው።ሕዚ’ውን እንተኾነ ግን ካብ ሓደ ሽሕ ዝውሕዱ ሰልፈኛታት ኣብ ካይሮ ኣደባብይ ታሕሪር ይርከቡ።

ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢሚሬትን ሰንከልከል ይብል ንዘሎ ቁጠባ ግብፂ ንምሕጋዝ ሸሞንተ ቢሊዮን ዶላር ንምሕጋዝ ቃል ኣትየን።ሪያድ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕፅረት ነዳዲ ንምቅላል’ውን ላምባ ክህብ እየ ኢላ’ላ።
XS
SM
MD
LG