ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ግብፂ ኣንፃር ደገፍቲ ሙርሲ ስጉምቲ ይወስድ‘ሎ


EGYPT
EGYPT
ኣባላት ጸጥታ ምስሪ፡ኣብ ካይሮ ንዝነበሩ ክልተ ናይ ተቃውሞ መዓስከራት ከምዝበተንዎም ተሓቢሩ። ኣባላት ጸጥታ ምስርን ተቃወምቲ መንግስትን መጠንቲ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ዝተፈላለየ ቁጽሪ ሂቦም ኣለው።

ናብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውግሐ ኣባላት ጸጥታ ምስሪ ተቓወምቲ መንግስቲ ምምላስ ፕረዚደንት ሞርሲ ኣብ ዝጽውዕሉ ክልተ ኣብ ካይሮ ዝርከባ መዓስከራት ተቓውሞ ናህዳን ረባዕ ኣል ዳውያን ብምእታው በቲኖሞም። ኣባላት ጸጥታ ምስሪ ተቓወምቲ ንምብታን ዘካየድዎ ስርሒት ምስ ምሕላው ሃገራው ጸጥታ ዝተተሓሓዘ ከምዝኮነ ድማ ኣፍሊጦም ኣለው።

ሰበ ስልጣን ምስሪ፡ ስርሒት ምብታን ተቓወምቲ ኣብ ዘካየድሉ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ መንግስቲ ዘንብዕ ጋዝ ጥራይ ከምዝተጠቐሙ ይገልጹ። ነቶም ንዝተዋህቦ መጠንቀቕታ ሰሚዖም ብሰላም ካብቲ ናይ ተቓውሞ ቦታ ክእለዩ ዝመረጹ ድማ ውሑስ መውጽኢ ቦታ ከምዝገደፉሎም ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ደገፍቲ ናይቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ሞርሲ ዝኾኑ ተቓወምቲ ዝ ህብዎ ዘለው ሓበሬታ ግን ካብዚ ዝተፈልየዩ።ንሶም ኣባላት ጸጥታ ምስሪ ፡ ንተቓወምቲ ንምብታን ዳርባ ጥይት ከምዝተኮሱ ይገልጹ።ኣብ ልዕሊ ርሻናት ደይቦም ቅጭ ሕርሙ ተባሂሉ ብዝዋዕ ዒላማ ጨማቲ ብረት፥ኣብ ልዕሊ ብረት ዘይዓጠቑ ተቓወምቲ ናይ ምብታን ስርሒት ከምዘካየዱውን ይኸሱ።

ኣብዚ ግዜዚ ካብቶም ክልተ ናይ ተቓውሞ መዓስከራት ዝተበተኑ ተቓወምቲ ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ካይሮም ሰልፊ ብምክያድ ተቓውሞኦም ይገልጹ ምህላዎም ድማ ብተወሳኺ ተሓቢሩ። ዝሓለፈ ሰኑይ ኣፈኛ መዓስከር ተቓውሞ ራባዕ ዋላኳ እቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ህድኣት ክዓስል እንተጸውዑ፥ እቶም ተቓወምቲ ግን ነቲ ጻውዒት ብምንጻግ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።
XS
SM
MD
LG